ትማል ትማል ንድሩዕ ይዅን ንካልኦት ሓለፍቲ ንሰግደሎም ከም ዘይነበርና ሎሚ ክንጻረፎም ዘሕፍር’ዩ!

ኣቐዲምና ስዩም ነዚ ዕድል ስለ ዝሃብካና ብስም ኣንበብትና ነመስግነካ። ኵነታት ኣተዓባብያኻን ናብ ሜዳ ኣሰላልፋኻን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ መዕለልካና’ዶ ?

ኣነ`ውን ኣቐዲመ አመስግነኩም። ኣብ ኣስመራ`የ ዓብየ፡ ኣደይ ኣሓት ጥራይ ዝነበርኣ ኣደኣ ዘዕበየታ ዘኽታም ኰይና፡ ኣቦይ ተጠኒሱ እንከሎ ኣቦኡ ዝሞቶ፡ ኣደኡ ግና ብንእስነታ ርእሳ ላጽያ ዘዕበየቶ፡ ሓደን ዘኽታምን ግን ከኣ ጻዕራምን ሓያልን’ዩ ነይሩ። ኣብ ኣስመራ`ውን ተማሂረ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ገለ ናይ ፖለቲካ ጽልዋ ነይሩ ። ኣነ ብ1972 ዓመተ-ምህረቲ`የ 12 ክፍሊ ወዲአ። ዝያዳ ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከድኩ ኣብ ፍሬንች ኮለጅ ዝበሃል ምስ ኣተና`ዩ ናይ ፖለቲካን ጉዳይ ሃገርን ክጸልወና ዝጀመረ። ኣብኡ ቀልጢፍና ኢና ተወዲብና። ህዝባዊ ግንባር (ሻዕብያ) ጀሚራ`ውን ስለ ዝነበረት ቀልጢፎም`ዮም ወዲቦምና። እቲ ዝገርመካ ግና ኣብኡ ንዓና ወዲቡ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ይኸውን ቅርሺ-ቅርሺ ድዩ ካልእ ነዋጽኣሉ ዝነበርና ሰብ ንሕና ናይ ሻዕብያ ውዱባት እናበልና እቲ ሰብ ናበይ ከም ዝኣተወ ከይተፈለጠ ከይዱ። ደሓር ናብ ጀብሃ ከም ዝኸደ ሰሚዕና። እዚ ንምንታይ`የ ኣምጺአዮ፡ ኣብ`ቲ ሽዑ እዋን ጥራይ ስምዒት ናይ ሃገር`ዩ ነይሩና እምበር ዝዀነ ሰብ ክላገጸልካ ይኽእል ምንባሩ ንምጥቃስ እየ። ካብኡ 74-75 ብሰርቪስ ናብ ኣስመራ መጺአ ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ማለት እዩ።

 

ብእድገት ብህብረት ዘመቻ ማለት ድዩ ?

ኣይኰነን፡ እቲ ኮለጅ ፍሉይ ናቱ ሰርቪስ ዝበሃል ነይርዎ ብከምኡ’የ ናብ ኣስመራ መጺአ። ሽዑ ናብ ኣስመራ ምስ መጻእና`ውን እቲ ዕላማ ክንስለፍ’ዩ ነይሩ። ግና ናይ መሻርፍ ጉዳይ ገለ ተባሂሉ እቲ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ኣይርደኣንን`ዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ክቕበለና ኣይደለየን፣ ኣብ`ዚ ተወዲብኩም ስርሑ ኢሎምና። ኣብ`ቲ እዋን መንእሰይ ይቕተል፡ ይሕረድ ስለ ዝነበረ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ብጾተይ ናብ ጀብሃ ክስለፉ ከይዶም። ኣነ ግና ናብ ሻዕብያ`የ ዝስለፍ ኢለ ከይከድኩ ተሪፈ። ድሕሪኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ መሊሱና። ሓደ ዓመት ሰርቪስ ወዲእና፡ እቲ ትምህርቲ ክንጅምር እናተባህለ እቲ ኵነታት’ውን ጥዑይ ስለ ዘይነበረ ናብ ኣስመራ መጺእና። ሒጂ’ውን ክንስለፍ’ዩ ነይሩ ድልየትና። ሻዕብያ ግና ኣብ ከተማ ተወዲብኩም ኢኹም ትሰርሑ ስለ ዝበለትና፡ ኣብ ከተማ ኰይንና ንሰርሕ። ኣብ ከተማ ምስራሕ ኣብ’ቲ እዋን (76) ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን “ዓፋኝ” ዝበሃሉ ግብረ-ሽበራውያን ዝነበሩሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ከም ዓዋሉ ከለልዩናን ክቕንጽሉናን ስለ ዝኽእሉ ዝሓሸ ዝበልናዮ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከይደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮነን (ሕጂ ኣስመራ ሓፈሻዊ) ዝበሃል ከም ናይ ቋንቋ ፈረንሳይኛ መምህር ተቘጺረ ሰሪሐ። ሓደ ዓመት ዝኸውን ከም መምህር ኣብኡ ጸኒሐ።

 

ብድሕሪኡ ብ1978 ብውድብ ክትስለፉ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም ምስ ተበሃልና እቲ ከውጽኣና ዝተወደበ ሰብ’ውን ሎሚ ጽባሕ እናበለ ስለ ዘደናጐየና፡ በቃ በተግ ኢልና ወጺእና። ድሌት ጥራይ’ዩ እምበር ብዛዕባ መገዲ ዋላ ሓንቲ ንፈልጦ ነገር ኣይነበረናን። ምስ ዓርከይ ስዉእ ተስፋማርያም (ተሽ) ነጸላን ኮንጎን ብቃልዕ ሒዝና ኢና ናብ ብሎኮ ከረን በጺሕና። ሓንቲ ኣደ ሃቡ ኢለን ነቲ ንብረትና እንተ ዘየውጽኣልና፡ ተርፊና ካብ ብሎኮ ኣይምሓለፍናን ነይርና። ሽዑ ግን ብሓቂ ህዝቢ’ኮ ህዝቢ’ዩ ኢልና… ከምኡ እናበልና ኣብ እምባደርሆ ንብጾትና ምስ ረኸብና ሽግር መግዛእቲን ግፍዒን ዝበሃል ሓንሳብን ንሓዋሩን ሕቖና ዝሃብናዮ ኰይኑ ተሰሚዑና፣ ፍርሂ ተቐንጢጡ ጀጋኑ ዝዀንና ኰይኑ ተሰሚዑና፡ ከምኡ እናበልና ንገድሊ ንኣቱ እብለካ።

 

ግርም ስዩም፡ ንስኻ ወዲ ከተማ ኢኻ ፣ ኣብ ናይ ፈረንሳ ኮ ለ ጅ ተማሂርካ መምህር’ውን ነይርካ። ናብ ሜዳ ምስ ኣተኻ’ሞ ከመይ ጸኒሑካ ኵ ሉ ነገር ? ከመይከ ለሚድካዮ?

ናይ ብሓቂ በረኻ ከም ምዃኑ መጠን ጥምየትን ጽምኢን ትጽበዮ ኢኻ። ካልእ ግና ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ይዅን ኣብ ግዜ ደርጊ’ውን ስለ ዘርከብናሉ፡ ንማርክሳዊ ለኒናዊ መጻሕፍቲ ብብዝሒ ኢና ኣንቢብና ነይርና። ምሉእ መዓልቲን ለይቲን ነዞም መጻሕፍቲ ምንባብ’ዩ ነይሩ ሓዳርና። ኣብ ሜዳ ምስ ከድኻ ግና ከምቲ ትጽበዮ ኣይጸንሓካን’ዩ ኵሉ ነገር። ምኽንያቱ ከተዛምድ’ውን ኣለካ፣ ቅድም መጻሕፍቲ ጥራይ ኢኻ ተንብብ ደሓር ግና ኣብ ክዉንነት ምስ ኣተኻ ካልእ’ዩ ዝጸንሓካ። ኣብ’ቲ ክፍሊ ታዕሊም ግና ካብ ኵሉ ዓይነት ሰብ ተሰሊፉ ምስ እትርኢ፡ ምስ’ቲ ትፈልጦ ዝነበርካ ኣዛሚድካ ኵሉ ክዉን ኰይኑ ክትርእዮ የገርመካ እዩ። ንኵሉ ከኣ ተዋድቖ። መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን ዝገደፍካዮ ንብረት ኣብ ድሕሪት ስለ ዘየለ ኵሉ ብማዕረ ክኸይድ ክትርኢ ከላኻ ናይ ብሓቂ ኢኻ ትሕጐስ። እቲ ዝነበረካ ንብረት ክህገር ክትርኢ ከለኻ ኵሉ ንሓባር ብሓባር ከም ዝስራሕ ትፈልጥ። እታ ህይወትካ ባዕላ’ውን ከም ዝተሃገረት እታ ምህጋር ንባዕላ ዓቢ ትርጕም’ዩ ዘለዋ…

 

እንታይ ሃጊሮምልካ ንዓኻ ?

እዋእ መቸስ ሰዓት ነይሩ፣ ገለ ሓደ ክልተ ካምቻ’ውን ነይሩ መስለኒ (ሰሓቕ)። ገለ ቍሩብ ገንዘብ’ውን ክህሉ ይኽእል። እዛ ምህጋር እዚኣሲ ዓቢ ትርጕም ነይሩዋ። ምኽንያቱ ካብ’ታ ሰዓት እቲኣ ዋላ ህይወትካ ዋላ ሓንጎልካ ከይተረፈ ይጥርነፍ፣ ይውነን ከም ዘሎ ኢኻ ትርዳእ። ግና ትቕበሎ ኢኻ፣ ብጣዕሚ ኢኻ ትቕበሎ። ሓደ ሰራዊት ትኸውን ከም ዘለኻ፡ ንሓደ ዕላማ ትሰርሕ ከም ዘለኻ፡ እናተረደኣካ ይኸይድ። ናይ ፈለማ ናይ ሜዳ ትዕዝብተይ ከም’ዚ ይመስል። ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ዳሕራ’ውን ከም ሰብካ ከም ዘይትፈልጥ ማርክስነት ኢኻ ትመሃር፡ ክሳብ ትስዋእ ብከምኡ ይቕጽል። ግን ከኣ ግድን ትለምዶን ትቕበሎን፡ ህይወትካ ንሱ ስለ ዝዀነ።

ኣብ’ዚ ናይ ጋዜጠኝነት ን ናይ ስእሊን (photographer) ሞያ ካብ’ቶም ህቡባት ምዃንካ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ` ዚ ዓውዲ ብ ከ መይ ክት ኣቱ ክኢልካ ? እንታይ’ከ ደፋፊኡካ? 

መጀመርታ ኣብ ጋዜጣኹም ምስ ህቡብ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ቃለ-መጠይቕ ክንገብር ኢና ምስ በልኩም ብጣዕሚ’የ ሓፊረ። ሓቂ ዘረባ ከቢዱኒ፣ ንሕና ንብገስ እንዲና ዘሎና ብዙሕ’ዩ’ኮ ዝተርፈና’ሞ ሕጂ’ውን ህቡብ ገለ’ሲ ተዘይበልኩምኒ ይሓይሽ። ይቕሬታ ግበረለይ እምበር ህቡብ ክበሃልሲ ኣይደልን’የ። ዝገበርኩ እንተገበርኩ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ካልእ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣኹም ምስ ወጸ ብዙሓት ዓበይቲን ንኣሽቱን ፈተውተይ ከምቲ ንኵልና ቀሲቡና ዘሎ ፍርሂ “ኣታ ወዲ ቃል-መጠይቕ ዘግብር የብልካን፡ እንተ ኣሰሩኻ እንታይ’ዶ ክበሃል እዩ?” ዝበሉኒ ነይሮም። ሓንቲ ጓልሓወቦይ’ሞ ከኣ ገዛይ መጺኣ፡ “ኣየድልየናን’ዩ ቀደም ኣጣይሶምኻ፡ ሕጂ’ኸ ናይ ምንታይ ቃለ-መጠይቕ’ዩ ዝብሉኻ ዘለዉ?” ኢላትኒ። ስለ’ዚ እንታይ’የ ክብል ደልየ፡ ኣበይ ከም ዘለኹ ንዘይፍለጥ ሰብ’ሲ ህቡብ ይትረፍ ጋዜጠኛ ጥራይ’ኳ ንጋዳ’ዩ። በል ወደይ በዛ ህቡብ ብዙሕ እንዲኻ ኣዛሪብካኒ… ናብ ሕቶኻ ክምለስ፣ ኣብ’ዚ ስራሕ ጋዜጠኝነት ምእታወይ ናይ ሃነደበት ጉዳይ እዩ። ቍሩብ ንድሕሪት ክመልሰካ። ኣብ’ቲ ናይ ፈረንሳ ኮለጅ ክመሃር ከለኹ፡ ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ኢና ዝያዳ ንመሃር ዝነበርና’ሞ፡ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ’ሲ ጋዜጠኛ’የ ዝኸውን እብል ነይረ። ጋዜጠኛ ብጣዕሚ’የ ዝፈቱ ነይረ። ምስ ተሰለፍኩ ግና ከም ዝዀነ ሰብ ናብ ዝተመደብካሉ ኢኻ ትኸይድ’ምበር ከከም ምርጫኻ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ሕልሚ (ትምኒት) ናይ ጋዜጠኝነት ዝበሃል ሃሲሱ። ማለት’ሲ ህይወትካ ክትከፍል ኢኻ ትስለፍ፣ ስለ’ዚ በዚ ዝፈትዎ ሞያ ክቕጽል’የ ዝበሃል ሓሳብ’ውን ኣይነበረንን። ካብኡ ካብ ታዕሊም ናብ ክፍሊ ሃንደሳ’የ ተወዚዐ። ኣብኡ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ጸናሕኩ፡ ኣጋጣሚ ብሓደ ንጸልማት ዝተሓስበ ጕዕዞ መርገም፡ ምርቓ ኰይኑ ብገለ-ገለ ምኽንያታት ጋዜጠኛ ክኸውን ተጸዊዐ። ብድቦላ ዝመጸ እምበር ብምርጫ ዘይኰነ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ’ዩ። ከም ድሌት ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚሩ ክቱር ባህጊ’ዩ ዝነበረኒ።

 

ኣብ ሜዳ ከም ሰኣላይን ጋዜጠኛን ኰይንካ ምንባር እንታይ ይመስል? ከመይ ነይሩ እቲ ህይወት?

እንታይ ይመስለካ፡ ኣነ ከም ቃሕታይ ወይ ድሌተይ እንተ ኰይኑ’ሲ፡ ሳሕቲ ብተበግሶይ ገለ-ገለ ጽሑፋት ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጋዜጣዊ ፍጻመታት ኣብ ሓርበኛ እጽሕፍ ነይረ። ቀንዲ ስራሐይ ግና ምስ ቪድዮ ፊልምን ስእልን ዝተኣሳሰረ’ዩ ነይሩ። እዚ ናብ ውግእ ኬድካ፡ ተዋጊእካ ነቲ ውግእ ዘንጸባርቕ ስእሊን ፊልምን ምምጻእ’ዩ ዝነበረ። ከም ጋዜጠኛ እንተ ኰይኑ ግና፡ ኣብ’ቲ ውድብ ዓወታትና ጥራይ ዘንጸባርቕ ጋዜጠኛ’ዩ ነይሩ። ከም’ዩ ከኣ ክኸውን ዝነበሮ። ምስ ጸላኢ ገጢምና እንታይ ተዓዊትና፡ እንታይ ኣፍሪና’ዩ ዝገልጽ ነይሩ። ምስ’ቲ ዝነበረ ጥምጥም ምስ ጸላኢ ድማ፡ ብከምኡ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ። ከም’ዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ብድሌቱ ዝጽሕፍ፡ ደስ ዝበሎ ዝጽሕፍ ፈጺሙ ኣየነበረናን። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ መስመር ናይ’ቲ ውድብ ኢኻ ዘለካ፡ ብኣኣ ተማእዚዝካ ድማ ትኸይድ። ስለ’ዚ ናይ ሓደ መስመር ወይ ዕላማ ጋዜጠኛ ’ምበር ብሓንጎልካ ደስ ከም ዝበለካ ትኸይድ ዓይነት ጋዜጠኛ ኣይነበረን። ከም’ታ መጀመርታ ዝነገርኩኻ ሓንጎልካ’ውን ስለ ዝህገር፡ ንሓደ ዕላማ ጥራይ ኢኻ ትሰርሕ። ከምኡ’ዩ ነይሩ እቲ ኩነታት። ዳሕራይ ግና ኣስመራ ምስ ኣተና፡ ሓደ ርኢቶ ወይ’ውን ባህጊ ነይሩኒ። እዚ ድማ፡ ነጻ ዝዀነ ጋዜጠኛ ክንከውን፡ ነዚ መልሓሱ ንውሽጢ ገጹ ኣትዩ ዘሎ ህዝቢና’ሲ ወጢጥና’ውን እንተዀነ ከነዛርቦ ኣለና ዝብል እዩ። እዚ ድማ ምስ’ቲ ሒዝናዮ ዝተበገስና ዕላማ ዝጻረር ኰይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ፡ ናይ ብሓቂ ከምኡ ክኸውን’ዩ ነይሩ ትጽቢተይ ክሳብ 93-94፣ ዋላ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝነብርናሉ እዋን ዝነበረኒ እምነት እዚ ጋዜጠኛ’ሲ ክቕየር ኣለዎ ዝብል እዩ። ኣብ ሓደ መስመር ጥራይ፡ እሞ ከኣ ናብ ኲናት ጥራይ ዘድሃበ ጋዜጠኛ’ዩ ነይሩና። ሕጂ ግና ክንቅይር ኣለና ዝብል’ዩ ነይሩ ርእይቶይ። ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ንማሕበራዊ ህይወት ዘንጸባርቕ ክኸውን ዝብል እምነት ነይሩኒ። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ሃገር ብዙሕ ትምህርቲን ልምድን ዘለዎ ጋዜጠኛ ኣይጸንሓናን። እቲ ዝርካቡ ካብ ገድሊ ዝመጸን ኣብ ገድሊ ዝተጠረየን’ዩ ነይሩ። ጋዜጠኛ ግና ኣራሚ ብዝዀነ መገዲ ክምዕብል ኣለዎ። ቅድም ነቲ ኲናት ኢና ነገልግል ዝነበርና፡ ሕጂ ከኣ ነቲ ሕብረተሰብ ዘገልግል ጋዜጠኛ ከነፍሪን ክንኵስኵስን ኣለና ዝብል ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ነይሩኒ። ዋላ እቶም ሓደስቲ ዝቝጸሩ ንኣሽቱ’ውን ከም ሰሚናር ስልጠና እናሃብካ ብቑዓት ክዀኑን ምስ ግዜ ከኸዱን ይግባእ። ናትና ኣሰር ጥራይ ክኽተሉ የብሎምን በሃላይ ነይረ። እዚ ኣይገበርናዮን፣ ርጉጽ ናይ መንግስቲ ሜድያ ንናይ መንግስቲ ድሌታት’ዩ ዘንጸባርቕ፣ ግን’ከ መንግስቲ ማለት መሳርሒ ናይ’ቲ ህዝቢ ማለት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ክህልዎ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ ነቲ ህዝቢ ብኣገባብ ሕቶታቱ ክምልሽን ሽግራቱ ከቃልሕን ኣለዎ።

 

ስዩም ኣብ’ቲ ሞያ ምስ እንመጽእ ሓደ ሰኣላይ ብቑዕ ምእንቲ ክ ኸውን እንታይ ከማልእ ኣለዎ?

ሓደ ብቀዳምነት ንፉዕ ሰኣላይ ክትከውን ደረጃ ትምህርቲ ዝበሃል ነገር ኣይኣምነሉን’የ። ፍቕሪ ናይ’ቲ ስራሕ ጥራይ ክህልዎ ኣለዎ። ፍቕሪ ዘይብሉ፡ ተገዲዱ ዝሰርሕ እንተ ደኣ ኰይኑ ኣብ’ቲ ውጽኢቱ ከማን ትርጕም ኣይክህልዎን እዩ። ስለ’ዚ ፍቕሪ ኣብ’ቲ ሞያ ወሳኒ ይመስለኒ። ንኣብነት፡ ፍቕሪ ናይ’ቲ ሞያ ዘለዎ ሰኣላይ ኣብ ኲናት ክስእል ምስ ዝኣቱ ቦምባ ይተኰስ ዋላ መድፍዕ ኣይግድሶን’ዩ። ከመይ ገይረ ነዚ ስእሊ፡ ነዚ ታሪኽ ይቐርጾ ጥራይ ስለ ዝብል። ኣድህቦኡ ኣብ’ቲ ስራሕ፡ ኣብ’ቲ ሞያ ጥራይ እዩ። ካልእ ድማ፡ ሰኣላይ ትኵር፡ መስተውዓሊን ተዓዛባይን ክኸውን ኣለዎ። ብቑዕ ስእሊታት ከቕርብ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ቀልባዕ-ባዕ ዝብል ሰኣላይ ዕዉት’ዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ከባቢና ሽሕን ሚኢትን ነገራት ኣለዉ--ዝሰኣሉ። ብዙሕ ዘይተስተባህለሎም እቲ ንፉዕ ሰኣላይ ግና መስተውዓሊ እንተ ኰይኑ ክርእዮም ይኽእል። ኣብ ኲናት ይዅን ኣብ ሰላም፡ ሓደ ሰኣላይ ብፍላይ ነቲ ስራሕ ክፈትዎን ፍቕሪ ናይ’ቲ ዝዓዮ ዘሎ ስራሕ ክህልዎን ኣለዎ በሃላይ እየ። ናይ’ቲ ሞያ ፍቕሪ ዘይብሉ ንደሞዝ ጥራይ ዝሰርሕ እንተ ኰይኑ፡ በቃ ዝተባህሎ ዝገብር “ህይወት ዘለዎ” ሰኣላይ ኣይኰነን። ሰኣላይ ካብ’ቲ ካልእ ሰብ ዝፈልዮ ነገራት፡ ኣድቂቑ ዝርኢን መስተውዓሊን ስለ ዝዀነ’ዩ። ካልእ ሰብ ብዙሕ ዘይግደሰሉ ነገር ዋላ ትሕቲ ጣውላ ትግበር ትዅን፡ ሰኣላይ የስተብህለላ እዩ። እዚ ግና ፍቕሪ ናይ’ቲ ሞያ ምስ ዝህሉዎ ጥራይ እዩ። ሓያል ሰኣላይ ብከምዚ ይፈሪ ምበልኩ።

 

ካብ ስድራቤትካ የሕዋትካ ገለ ናይ’ዚ ሞያ ዘለዎም ኣለዉ’ዶ ? ሰኣልቲ ወይ ጋዜጠኛታት?

ስእልን ሙዚቃን ዝፈታትኑ ኣይሰኣኑን። ዝገርመካ ብዛዕባ ጋዜጠኝነት ግን፡ ዋላ ሓደ ኣብ’ዚ ሞያ ዝሳተፍ ሓዉ ይዅን ሓብቲ የብለይን። ዳርጋ በይነይ’የ ናይ ኣጋጣሚ ኰይኑ።


ሕራይ ስዩም መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት ዕለት 24/ 0 5/ 19 91 ኣበይ ኣሕሊፍካያ? ከመይ ተሰሚዑካ?

እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት ፈጺመ ኣይርስዓን’የ። ኵሉ መዓልቲ ዋላ ዓሰርተ ዓመት’ውን ነብዕላ፡ ንዕኣ እናዘከርና ነብዕላ ስለ ዘለና ኵሉ ትሕዝቶኣ ምሳይ ኣሎ። መጀመርታ ሰዓት 7 ኣቢሉ ይኸውን 20 ኪሎሚተር ካብ ኣስመራ ኩርባ እምበይቶ በጺሕና። ደሓር እቲ ተጋዳላይ ኣስመራ ክኣቱ’ዩ ዝደሊ ነይሩ። ንውሽጢ ከተማ ምኽንያቱ ኣምሓራ ንህዝብና ከይውድእዎ ይፍራሕ ስለ ዝነበረ። ደሓር ግን እቶም ሓለፍቲ ናይ’ቲ ኲናት ሓንሳብ ጽንሑ ኢሎምና፣ ምኽንያቱ ጸላኢ ክሃድም’ውን ተኽእሎ ስለ ዝነበረ ኣይተሃወኹን። ሰዓት 9 ኰይኑ፣ ሰዓት 10’ውን ኰይኑ፣ ተሃዊኽና። ኣስመራ ንርእያ ኣለና፣ ዝኾነ ዝንቀሳቐስ ግን ኣይንርእን። ኣጋጣሚ ሓደ ሰብኣይ ጭው-ጭው ኢሉ ኵሉ ነገር ጸጥ ኢሉ እናሃለወ፡ ካብ ጐዳይፍ ተበጊሱ በይኑ መጺኡና። እንታይ’ዩ እዚ “ጽሉል” ድዩ ገለ ኢልና፣ ኣነ’ውን ነዚ “ጽሉል” ክረክብ ኢለ ክስእል እናበልኩ፡ ሰብኣይ ገጭቦ ማይ ጌርካ ንዝረኸቦ። ዋላ ንካሜራይ ኣይትበል ማይ ገይሩ ይግጭበና። ኪዳነ ምህረት’ዩ ነይሩ ሽዑ። ሰብኣይ፡ ‘እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም? ህዝቢ ንገዝኣ ተሸቝሪራ ጦር ሰራዊት ከይቀትሉዋ ተሓቢኣ’ያ ዘላ። ዋላ ሓንቲ ነገር የለን፣ ክትኣትዉ ኣለኩም’ ይብለና። እቲ ሰብኣይ ሕጂ ዋና ቤት መግቢ ካስቴሎ እዩ። ሰብኣይ መሪሑና ንኣቱ እብለካ። ድሕሪኡ ጐዳይፍ ምስ በጻሕና ክሳብ ብሎኮ ንበጽሕ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ሓደ ዝቕልቀል ሰብ ስኢንና። ዝተወረት ከተማ’ያ ትመስል ነይራ ኣስመራ። ብዝዀነ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ኲናት ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ንሰማይ ገጹ ይተኵስ ኢሎም ኵሉ ይትኵስ ነይሩ፣ እታ ናይ መጀመርታ ሓንቲ ሰበይቲን ቈልዓን መጺኦም ድሕሪኡ። ኣይርስዖምን’የ በቃ ኣብቲ መሬት ፈፈው ይብሉ ነይሮም ብኽቱር ብሓጎስ፣ ከምኡ እናበለ ሰብ እናተኣከበ ከይዱ፣ ሽዑ ኣማኢት ኣሽሓት እናበለ ሰብ የዕለቕሊቑ፣ ሰብ በዚሑ ግደፎ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ወጺኡ። ኣነ ሽዑ ሰኣላይ ምዃነይ “ፈትየያን ጸሊአያን” ክብለካ እኽእል። ሓደ መደምደምታ ናይዚ ቃልሲ ኢና ንርኢ ዘሎና፣ ከም ሰበይ ክሕጐስ እደሊ᎓ እንደገና ከኣ ሰኣልይ ስለ ዝዀንኩ ነቲ ታሪኽ ክቐርጾ ኣሎኒ፣ ኣብ መንጎ ተቐርቂረ። እቲ ሰብ ብሓጐስ ሓንጊሩኒ ነብሰይ ኣንቀጥቂጠ። ሰባት ምስ ሓንገሩኒ ጽቡቕ ስእሊ’የ ስኢለ ከይተፈለጠኒ፣ ረሲዐዮ ከማን ተሓንጊረ ከም ዘለኹ። ከምኡ እናበልና ኣደባባይ በጺሕና፣ ዝገርመካ 4-5 መዓልቲ ገዛና ኣይኣቶናን፣ ስድራና ኣይረኣንና፣ ምሉእ ለይቲን መዓልቲን ከምኡ’ዩ ዝሓልፍ ነይሩ። ዓሰርተ ዓመት ከነብዕሎ ከሎና እቲ ዝሓለፈ 30 ዓመት ምረት ናይ መግዛእቲ ዘብቅዓሉ ስለ ዝዀነ᎓ ኣነ ነዛ መዓልቲ ክዝክራ ከለኹ ፍሉይ ሓጐስን ስምዒትን’ዩ ዝፈጥርለይ። ሕጂ ከኣ ሓደገኛ ወራረ ወያነ ደምሲስና ነብዕሎ ስለ ዘሎና ድሪቡ ደሚቑ’ዩ ውዒሉ።

 

ዓስራይ በዓል ናጽነት’ከ ብኸመይ ኣብዒልካያ፣ ኣበይ ኔርካ ኣብታ እዋን? ቅድሚ ዓስራይ ዓመት ምብዓላ᎓ ኣነ ከብዕላ ተሃንጥየ፣ ንምንታይ?

ምኽንያቱ ቅድሚኣ ዝነበረት 9ይ ዓመት ዛላምበሳ ነይረ፣ ነዝልቕ ኢና ኔርና ሽዑኡ። ሕማቕ’ዩ ተሰሚዑኒ ብሓቂ፣ ምኽንያቱ ኣነ ዕለት 24’የ ተሰሊፈ፣ ዝበዝሕ ውግእ ዝተሳተፍኩሉ’ውን ዕለት 24ን’ዩ። ስለዚ’ዩ ከኣ ናጽነት ዕለት 24 ምስ መጸት ኣዝየ ዝተሓጐስኩ። ኣብ መጨረሽታ ግን ኣብ ዛላምበሳ ናይ ወያነ ወራር ምስ መጸ 24 እንታይ ጌርናያ ኢና ኢለ ተራጊመ። ትማሊ ናጽነት ኣርእያትናስ ሕጂ ከኣ ካልእ ድያ ክትድብሰና ኢለ ተሰሚዑኒ ኣየብዓልኩዋን፣ እታ ቅድሚኣ’ውን ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ። ስለዚ ነዛ 10ይ ዓመት ንምብዓላ ብሓቂ ተሃንጥየ፣ ናይ ብልቢ ተሃንጥየ። ቅድሚ’ቲ በዓል ኣብ መገድታት ዝተፈላለዩ መደባት ይካየድ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ክስእል ቀንየ፣ ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስታድዩም ንዝግበር በዓል ክስእል በቃ ተሃዊኸ። እቲ በዓል መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንሚኒስትሪ ዜና ካርድ ክወሃበኒ ሓቲተ። ይኽልከል ኢለ ኣይኰንኩን፣ እናማዕበልና ስለ ስለ ዝኸድና ኣሰራርሓና ማዕቢሉ ይኸውን ኢለ ካርድ መእተዊ ሃቡኒ ኢለ ሓቲተ። ገና ይጽናዕ ኣሎ ይብሉኒ፣ ድሕሪኡ ሰኑይ እሓትት፣ ሽዑ ግን ኣቕቢጾምኒ።

እንታይ ኢሎምካ?

ወጻእተኛታትን ናይ መንግስቲ ጋዜጣኛታትን እምበር ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ክኣትዉ ኣይፍቀድን’ዩ ይብሉኒ። ኵሉ ነገር ተዋቒዑኒ፣ ቀልጢፈ ግን እዝሕል። ደሓር እቲ በዓል መዓስ ኣብ ስታድዩም ጥራይ ኰይኑ ዝበዓል ኣብ ከም ዝዀነ ኣብ ካልእ’ውን ስለ ዝበዓል ኢለ እጸናናዕ። ዳሕራይ ከኣ ህዝበይ ካልኦት ጋዜጠኛታት’የ ተኸልኪለ ኢለ እደዓዓስ። ግና ይገርመኒ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ንገለ ናብ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ተኸልኪልኩም ዲኹም ኢለ እውከሶም። ንሳቶም ድማ ሓሓንቲ ጥራይ ተዓዲልና ይብሉኒ። ኣነ ድማ ንሚኒስትሪ ዜና እንታይ ደኣ ንናይ ብሓቲ ጋዜጠኛታት ከልኪልና ትብሉኒ ምስ በልኩዎም፣ ኣይ ሓደ-ሓደ እንዲና ሂብና ይብሉኒ። ኣነ ድማ “መዓስ ሸሞንተ ሓቲተኩም᎓” ንሓደ ሰብ ፍርቂ ወይ ርብዒ ኣይትህቦን ኢኻ መቸም ከም ዘይወሃበኒ ይንገረኒ። ገለ ሰባት ሽዑኡ መእተዊ ተኸልኪሉ ሰሚዖም መእተዊ ካርድ የምጽኡለይ። ኣነ ከኣ ነቲ ወግዓዊ ጽንብል ክስእሎ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኬድካ ክትስእል ትኽእል ኢኻ ኢለ ብዙሕ ኣይተጨነቕኩሉን። ኣብኡ᎓ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኣትየ ክስእል እንተ ደለኹ ፖሊስ ይኽልክሉኒ። ‘እዛ ወረቐት ንውሽጢ ኣይተእቱን’ያ ከም ዕዱም ግን ኮፍ ኢልካ ትርኢ’ ይብሉኒ። ኣነ ፖሊስ ከምኡ ከም ዝበሉኒ ረሲዐ ጎኒጸ ክኣቱ እድሊ፣ ክልተ ሰለስተ ግዜ ግን እሕዙኒ። ንሳቶም ስራሖም ኢዩ፣ ጌጋ የብሎምን ኣነ ከኣ ክስእል እደሊ። ንሰኣላይ ክትክልክሎ መቸስ ናይ ብሓቂ ገበን’ዩ እብሎ ኣነ። እቲ ምርኢት እቶም ግሩማት ሰራዊት ክሓልፉ እርእዮም፣ እጭነቕ። ኣብ መጨረሽታ እንታይ ከም ዝገብር ጠፊኡኒ ኣብቲ ሓጺን ሬተ-ሬተ ተጸጊዐ፣ ንመጨረሽታ ግዜይ ካሜራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እታ ዝተሃንጠኹላ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት᎓ እቲ ኵሉ ግዜ ብመስዋእቲን ሓጐስን ዝሰኣልኩዎን ዝዝክራን ዕለት 24 ግንቦት 1991 ከይዝክራን ኣብ በዓላ ከይስእልን ተኸልኪለ ማለት ድዩ? ናይ ብሓቂ ዲዩ ኢለ ገሪሙኒ ኣብቲ ሓጹር ተጸጊዐ ካሜራይ ሒዘ… ኣብ’ቲ ሬተ (ሓጹር) ተጸጊዐ፡ ሓሲበ። ኣብ’ቲ ስታድዮም ኣትየ እንተ ዝኸውን ደስ ምበለኒ። ንንኣሽቱ ኣሕዋተይ (ንሓድሽ ወለዶ) ብሰልፊ ክሓልፉ ከለዉ ክስእል ኣዝዩ መሐጐሰኒ። ዳግም ታሪኽ ክስንድ ተሃንጥየ፣ ግና… ተኸልኪለ። ብዝዀነ ስእሊ ስእሊ’ዩ ኣብ ዝዀነ ኰይንካ ሰኣሎ። ንነብሰይ ኣእሚነ በቲ ሓጹር ተጸጊዐ ስኢለ እብለካ። እነሀልካ ሽዑ ዝሰኣልኩዎ ስእሊ። እዚ’ውን ታሪኽ’ዩ፣ ተፈቒዱልካ በቲ ኣቲኻ ትስእል፣ ተተኸልኪልካ ድማ በዚ ኰይንካ ትስእል። ስለ’ዚ ሰኣላይ ኰንካ’ሲ ብከመይ ይስእል ኢልካ ኢኻ ክትሓስብ ዘለካ’ምበር፡ ንኣብነት ስታድዮም ዘይኣተኹ ኢለ ተመሊሰ ነይረ እንተ ዝኸውን፡ እዛ ስእሊ’ዚኣ ኣይምተረኸበትን። እታ ኣብ ብዙሕ ውግኣት ሒዘያ ታሪኽ ዝምዝግበላ ዝነበርኩ ካሜራይ፡ እታ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ብጋህዲ ምጽንቃቕ መግዛቲን ምብሳር ሓርነትን ብዕለት 24 ግንቦት 1991 ዝሰኣልኩላ ካሜራ፡ ሕጂ ኣብ 10ይ ዓመት ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት ካሜራይ ናይ ብሕቲ ዝብል ቅጽል ወጺእዋ ታሪኽ ከይትምዝግብ ተኸልኪላ’ላ። እቶም ጸዓዱ ጋዜጠኛታት’ውን፡ ንሕና ተኸልኪልና ምስ ፈለጡ “ልዕሊ ደቂ ሃገር ተራኢና፡ ሓለፋ ተገይሩልና” ኢሎም ኣየመስገኑን። መሊሱ ደኣ ኣቲ ግርምቢጥ ኣስደሞሞም። በዚ ከልከልኩ፡ በዚ ቀየድኩ፡ በዚ መዓንጣ ሰብ ኣሕረርኩ ካብ ምባል፡ ካልእ ንህዝቢን መንግስቲን ዘሐጕስ ስራሓት መዓስ ተሳኢኑ። ከምኡ ክገብሩ ደስ ዝብሎም ሰባት ግን ኣለዉ። ኵሎም እቶም ኣብ’ቲ በዓል ዝነበሩ ዓበይቲ ሓለፍትና፡ ኣገዳስነት ስእሊን ታሪኽን ልዕሊ ኵሉ ሰብ ስለ ዝርድኡ፡ ብካምቻና ክንጕተትን ክንክልከልን ፈቒዶም ኣይተቐበልዎን ይመስለኒ። ብዝዀነ ስእሊ ዝድላዩ ዓይነት ይዅን ታሪኽ እዩ። ኣነ ከኣ ብሓጹር ዝተኸልከለትን ሓንቲ ዓይነትን ቅያር ዘይብላን ኰይናትኒ’ምበር በዛ ስእሊ’ውን ዓጊበ’የ። ረኣያ! ካሜራይ ብሓጹር ተኸልኪላ’ላ፡ እታ ህሞት ግን ንታሪኽ መዝጊባታ።

 

ስዩም፡ ንምንታይ ይመስለካ ናብ ስታድዮም ንከይትኣቱ ዝኸልከሉኻ?

ሓደ ክንድኦም ኰይነ ክዛረብ ኣይፈቅድን። ብልክዕ’ውን ክፈልጦ ዝኽእል ኣይመስለንን። እዚ ዓቢ ጉዳይ ኣይኰነን። ምናልባሽ ጸኒሑ ክርድኣኒ ይኽእል ይኸውን። ግና ኣብ ናትና ኩነታት ምስ እንመጽእ ንኵሉ ነገር ጸኒሕና ስለ እንርድኦ፡ ምናልባሽ ድሒሪ ክልተ ዓመት ክርድኣኒ ይኽእል እንተ ኰይኑ’ምበር ካልእ ምኽንያት ክህልዎም ኣይክእልን’ዩ። ኣነ ካብ ካልእ ሰብ በሊጸ ኣይኰንኩን ግና ከም ሰኣላይሲ ዓቢ ነገርኮ ኣይኰነን። ክገርመካ ድማ ወጻእተኛታት ከይተረፈ ኣብኡ ነይሮም። ኣብ’ቲ ቅድመይ ይስእሉ ነይሮም። ኣነ ኣትየስ እንታይ’የ ከጻብበሎም? እዚ ግን ሓላፍነትካ ብግቡእ ዘይምጥቃምን ነቲ ሞያ ዘይምርዳእን’ዩ ክኸውን ዝኽእል። መቸም ስለ ዝሓተትካኒ’ዩ እምበር ክሳብ ክንድዚ ዓቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣይኰነን።

 

ድሕሪ ናጽነት ከም ሓላፊ ቴለቪዥን ኤርትራ ኴንካ ሰሪሕካ ኢኻ ። ካብ’ቶም ፈለማ ተለቪዥን ኤርትራ ዘበጋገሱ ከም ምዃንካ መጠን’ውን ፡ ከመይ ነይሩ ኣመሰራርታ ቴለቪዥን ኤርትራ?

ክጅመር ከሎ ኣብ’ቲ ፈለማ ኣነ ካብ ዓሰብ’የ መጺአ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ግና ቍሩብ ናጽነት ነይሩ። ማለት ዝመሰልካ ኢኻ ትገብር ነይራካ። ዓቕሚ ኣይነበረን ይኸውን መሳርሒውን ከምኡ፣ ግና ልዕሊ ኵሉ እቲ ናይ ተጋዳላይ ናይ ምስራሕ ባህጊ ክገብሮ ኣለኒ ዝብል ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ስምዒት ሒዝና ስለ ዝተበገስና ጽቡቕ መደባት’ውን ንህዝቢ ይቐርብ ነይሩ እዩ። ካልእ ደኺመ፣ ሰልችዩኒ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ከምኡ’ውን ነቲ ደኮመንት ንፈልጦ ሰባት ኣብኡ ስለ ዝነበርና፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ የድልዮ’ዩ ዝበልናዮ ነቕርብ ነይርና። ኣበጋግሳኡ እምበኣር ከምኡ’ዩ ነይሩ። ብርቱዕ ድሌት፡ ብናይ ተጋደላይ ክሰርሖ ኣለኒ ዝብል ስምዒት፡ ብናይ ኣባላት ጻዕሪን ተወፋይነትን’ዩ ነይሩ ከባሃል ይከኣል። 

ብዛዕባ ጋዜጠኝነት ፡ ብዛዕባ ብሕታውያን ጋዜጣታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ምስ’ዚ ህሉዊ ኵ ነታት ኣተኣሳሲርካ እንታይ ርእ ይቶ ኣለካ?

ኣነ ንገዛእ-ርእሰይ ኣቐዲመ’ውን ነጊረካ’የ፡ ብተመኵሮ እንተ ዘይኰይኑ ዝተመሃርኩዎ ነገር የለን፣ ግና ተመኵሮ ከኣ ቀሊል ኣይኰነን። እዚ ግና ንሓድሽ ወለዶ ከም’ዚ ከማኻትኩም ብሓድሽ መንገዲ ክንብገስ፡ ብሓድሽን ምዕቡልን ኣገባብ ክንጐዓዝ’ዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ፣ እዚ ግና ኣይኰነን። ንስኻትኩም ግና ከም ገለ ኢልኩም መጺእኹም። ኣብ’ዚ ምምጻእ ናትኩም ግና ብዙሕ ጌጋትታ ክህሉ ይኽእል’ዩ፣ ክንዲ ዝዀነ ጌጋ ይሃሉ፡ ድላዩ ጌጋ ይሃሉ… ሰሚዕካ፡ ዋሽንግተን ፖስት ኰይና ዝጀመረት ጋዜጣ የላን። ዘረባታት ኣምጺእካ ንምውርዛይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጅምር ከየበላ ከክንዲ ኣባጅጎ ነቐፌታታት ኣምጺእካ ክትጭፍልቕ ምፍታን፡ ኣነ ነውሪ’ዩ ጥራይ’የ ክብሎ ዝኽእል። እዘን ጋዜጣታት፡ ፈቲና ጸሊእና ናይ ህዝቢ’የን፣ ህዝቢ’ዩ ዝፈርደን፣ ናይ ህዝቢ ምዃነን ድማ ክንፈለጥ ኣለና። እንታይ’ዩ ጸገምና መስለካ፤ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢን፡ ከምኡ’ውን መንግስቲን ህዝቢን ክንፈላሊ ክንክእል ኣለና። እወ ህዝባዊ ግንባር ናይ ህዝቢ፡ እቲ መንግስቲ’ውን ከምኡ’ዩ። ግን ከኣኒ ካብ’ቲ ናይ መንግስታዊ ኣሰራርሓታት ውጽእ ኢሉ ናይ ህዝቢ ከኣ የድልየና’ዩ። ነዚ ነፍሲ-ወከፍና ክንኣምነሉ ይግባእ እብል። ስለ’ዚ ነዘን ታተ ኢለን ዝብገሳ ዘለዋ ጋዜጣታት ይዅና ጋዜጠኛታተን ክንሕግዝ ይግባእ። ተበጊስኩም ኣለኹም። ነዚ ተበግሶ’ዚ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ኣለና። ተጸዋርነት ድማ ከነማዕብል ኣለና ማዕረ ማዕረኡ። ኣነ ብናተይ እንድየ ዝርእዮ፣ ብተመኵሮይ ኢና ንዛረብ ዘለና። ብተመኵሮይ ከኣ እዘን ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ በሲለን’የን ከይደንየን ብዘይ ቃል-ዓለም’የ ዝብለካ። ዝዀነ ሓገዝ ከይተገበረልኩም፡ ኣዋጅ ጥራይ’ዩ ዕድል ሂብኩም እምበር ከም’ዚ ዓይነት ዓቢ ስራሕ ትሰርሑ ምህላውኩም፡ ንዓኹምን ህዝቢኹምን ሓበን’ዩ። ነዛ ሃገር ድማ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት’ዩ።

 

ሕጂ ነዘን ጋዜጣታት ክትጭፍልቕ ምፍታን፡ ብኣንጻሩ ከማን ክትጻረፍ ምፍታን ዘሕፍር’ዩ፣ ብኡነት ዘሕፍር’ዩ። ካብኡ ብዝተረፈ እዘን ጋዜጣታት ኣብ’ቲ ዝብጻሕ በጺሐን’የን፡ ሱቕ ኢልካ ዝተጠዋወየ መንገዲ ጌርካ ክትደቍስ ምፍታን፡ ከንቱ ድካምን ፋይዳ ዘይብሉን’ዩ። ገለ ገለ ስክፍታታት ይህሉ ይኸውን፣ ከም ጀመርቲ መጠን ግና ምስ ኣበርክቶኹም ምስ ዝነጻጸር ዋላ ሓደ ጸገም ይብሉን። ስለዚ በርትዑ ቀጽልዎ ናይ ህዝቢ ድማ ኵኑ፣ ኵሉ ሻዕ ምስ ህዝቢ ዝወገነ ጋዜጠኛ ይዅን ካልእ ተዓዋቲ ስለ ዝዀነ።

 

ኣቶ ስዩም፡ ናይ መንግስቲ ፕረስ (ጋዜጣ ፡ ራድዮን ተለቪዥንን) ኮታ ብሓፈሻ መራኸቢ ብዙሓን ናይ መንግስቲ ከመይ ኣሎ ትብሎ?

ኣነ ቅዩድ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ቅዩድ ክብል ከለኹ ግና ምዝራብ ዝተኸልከለ ብመንግስቲ ዘይኰነ’ሲ፡ ንከይዛረብ ተባሂሉ ዝተተኸለ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ከም ዕላማ፡ ህዝባዊ ግንባር ከለና ህዝቢ፡ ሓፋሽ ገለ ንበል ስለ ዝነበርና፡ ኣነ ናይ ብሓቂ ናይ ህዝቢ ክኸውን’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ እምነተይ። ህዝብና ብሰንኪ መግዛእቲ ከም ዘይዛረብ’ዩ ኰይኑ። እታ መልሓሱሲ ናብ ውሽጢያ ኣትያ ተለዅሲሳ ነይራ። ህዝባዊ ግንባር እትው ምስ በለት፡ እንታይ’ዩ ዝርድኣኒ ነይሩ መሰለካ፡ ነታ መልሓሱ ብጕጤት ኣውጺእና ያላ ተዛረብ ንብሎ’ዩ ዝመስለና ነይሩ። ግና ናይ ብሓቂ ስድሪ ከማን ጌርና’ዶ እንተ ኢልካኒ፡ እንድዒ እዚ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮ’ዩ።

 

እዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ ተፈጠራ ግን፡ ዓቢ መስመር እዩ ተሓንጺጹ። እቲ ንበይኑ ዝኰነ ሰብ ከማን ብከምኡ’ዩ ዝርድኦ። እተን ናይ መንግስቲ ጋዜጣታት፡ ከም’ተን ናይ ብሕቲ ናይ ህዝቢ ኰይነን ክምዕብላን ከማዕብላን ስለ ዘይከኣላ፡ ኣብ’ቲ ዝነበራኦ ኩድጭ ኢለን ኣለዋ። እተን ምስ ህዝቢ ኰይነን ደርገፍገፍ እናበላ ዝቕጽላ ዘለዋ ናጻ ጋዜጣታት ከኣ፡ እነሆ ድምጺ ህዝቢ የቃልሓ ኣለዋ። ንለውጢ ምቅላስ ማለት’ኮ፡ ጸጋ’ዩ መዓት ኣይኰነን። ኣይ ንለውጢ እንዲና ተቓሊስና፡ ለውጢ ኢናኮ ደሊና! ናጽነት ቀረባ’ዩ ይብለና ነይሩ ህዝባዊ ግንባር። ሓድሽ ወለዶ ምፍጣር’ዩ ከቢድ። ውልቅን ሕብረተሰብን ክትቅይር እንተ ኴንካ ድማ እናተሓባእካ ከይትዛረብ፡ እናተኸልከልካ ኣይኰነን። ህዝቢ ፖለቲካዊ ኩነታቱ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ክንፈልጦ ዘሎና፡ ህዝቢ ዘይርድኦ ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ኣይኰነን። እወ፡ ናይ ህዝቢ ፖለቲካ ክበሃል እንተ ኰይኑ፡ እቲ ህዝቢ ክርድኦ፡ ቃል-ብቃል ክፈልጦ፡ ብግቡእ ዝፈልጦ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ድላይካ ትጠዋውዮ ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ህዝቢ ከም ድላዩ ዝዛረበሉ፡ ብዛዕባ መነባብሮኡ ዝዝትየሉ፡ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ፡ ዝጭድረሉ ሜድያን ፖለቲካን ክህልወና ኣለዎ፣ ናብኡ ክንበጽሕ ኣለና። ኣባላት ባይቶ መን’ዮም ንፈልጦም ዲና? ብስእሊዶ ርኢናዮም ንፈልጥ ኢና? በዓል መን’ዮም፡ መንዶ ይፈልጦም’ዩ? ክንገረና’ኮ ኣለዎ፣ ክንፈልጦም’ኮ ኣለና፡፡ እዚ’ኮ ኣብ ዝዀነ ዓዲ ዝስርሓሉ ንቡር ኣሰራርሓ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ’ውን፡ እተን ናይ መንግስቲ ሜድያ ከም’ቲ ዝድለ ኣይነጠፋን፣ ኣብ’ቲ ዝነበራኦ’የን ዘለዋ። እሞ ናይ መንግስቲ ሜድያ ብዙሕ ዝተርፈን ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ብናተይ ርኢቶ ድማ፡ ንህዝቢ ከገልግላ፣ ኣፍ ናይ’ዚ ህዝቢ ክዀና ከምዚ ናይ ብሕቲ ዝገብራኦ ዘለዋ፡ ክጽዕራ ኣለወን። ንለውጢ ክዓያን ክሰርሓን ኣለወን እብል።


ኣብ’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና እንታይ’ዩ ርእይቶኻ? ኣፈታትሓኡኸ ከመይ ይመስለካ?

ሓደ ደጋጊመ ክነግረካ ዝደሊ፡ ወላ ደጋጊምካ ኣብ’ቲ ጋዜጣኹም ጸሓፎ። ኣነ ዋላ ሓንቲ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይፈልጥን’የ፡ ጠሪሸ ኣይፈልጥን’የ። ከም ዝዀነ ሰብ እዕዘብ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ድዩ፡ ክልተ ወርሒ ወይ ዓመት ይርድኣኒ ይኸውን። ከም’ዚ ነይሩ ኢለ ርእይቶይ እህብ። ምስ ህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ሃገርና ዝዛመድ ኣፍልጦ ኣለና ንብል እንተ ሃልዩና፡ ንጋገ ኣለና’የ ዝብል። ምናልባሽ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እንተ ተረዲኡና’ዩ። ኣነ ይዅን ንስኻ፡ ዋላ ካልእ፣ ምናልባሽ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ እንተ ተረዲኡዎም እምበር፡ ፖለቲካ ናይ’ዚ ዓዲ ብግቡእ እፈልጦ’የ ዝብል ሰብ እንተ ሃልዩ ብዘይ ቃልዓለም ሓሳዊ’ዩ እቲ ሰብ። መን ይፈልጦ ናይ’ዚ ዓዲ ፖለቲካ?

 

ኵሉ ሰብ ለውጢ ይደሊ’ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ከም ኤርትራ ዓይነት ኵሉ ህይወቱ ዝሃበ፡ ገንዘቡ ዝነገፈ ህዝቢ፡ ለውጢ ክደሊ ዳርጋ ንቡር ጌርና ክንወስዶ ኣለና። ምሉእ ህዝቢ ተቓሊሱ’ዩ፡ ተሳቲፉ’ዩ፡ ንለውጢ’ዩ ድማ። ንሓድሽ ህይወት’ዩ ከኣ ተቓሊሱ። ንዓና ፖለቲካ ምልፍላፍ ኣይኰነን ዘድልየና። ጭቡጥ ለውጢ’ዩ ዘድልየና’ሞ፡ ህዝቢ ንለውጢ እንተ ጸወዐ ዘፍርሕ የብሉን፡ ዘባህርር ጉዳይ ኣይኰነን’የ ዝብል። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ምናልባሽ ኣነ ሰብ ቀስ ኢሉ ክርድኦ ይኽእል ይኸውን’ዩ’የ ዝብል። በዚ መሪሕነት፡ ከም’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ዋላ ሓንቲ ኣይነበረንን። ምኽንያቱ፡ እዚኣቶም ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ’ውን ጠቒሰዮ’የ፡ ካብ ዝተፈላለያ ስድራቤታት ዝተዋጽኡ ማናቱ’ዮም። ሰላሳ ዓመት ብሓባር ዝተጓዕዙ’ዮም። እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ጥራሕ መምርሒ የውጽኡልካ፡ በቲ መምርሒ ትኸይድ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ከምኡ። በቲ መሪሕነት’ሲ ባዕሉ ደልዩ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ከምዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ኣጋጣሚ ግና ዓቢ ዕድል’ዩ ንኤርትራን ህዝባን፣ እዚ ዓቢ ዕድል’ዩ’የ ዝብሎ። ስማዕ’ስኪ በጃካ ኢሰያስ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ድሩዕ፡ ወዲ ሰለሞን፡ ሸሪፎ፡ ወዲ ኤፍረም ወዘተ ህዝባዊ ግንባር፡ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልንኮዩ።

 

እዋእ እዚኦም’ኮ ሓደ’ዮም ነይሮም። ኣብ ሕጂ በጺሕካ’ስ ክትፈልዮም? እንታይ ኢና ንርኢ ዘለና? ብጸጋ ክንቅበሎ ኣለና’ምበር ብፍርሂ ቀጥቀጥ ዘብለና ክኸውን የብሉን። ፖለቲከኛታት ክውንጀሉ ይኽእሉ’ዮም። ካብ ሕጂ ዝገደደ’ውን ክወነጃጀሉ ይኽእሉ’ዮም። ገና ብዙሕ ክንራኢ ኢና። ካብ’ዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመት መስዋእቲ ዝኸፈለሉ፡ ናይ ደቁ ህይወት ሞባእ ዝሃበሉ ምዃኑ ዘኪሩ፡ እዚኦም ክመናጨቱ እንከለዉ፡ ንሱ ኣብ’ቲ ምምንጫት ከኣቱ የብሉን። ውራይ ቅዋሙን ውራይ ሕጉን ውራይ ዲሞክራሲን ጥራይ ክገብር ኣለዎ። ትዕዝብቲ’ዩ ከኣ ወሳኒ። ስለ’ዚ ህዝቢ ብርግኣት ርእዩ ክነቅሕ ድማ ኣለዎ። ናበይ’ዩ እቲ ኩነታት ህድእ ኢሉ ክዕዘብ ኣለዎ። ህዝቢ ይጽሕፍ ኣሎ፣ ናይ ብሓቂ ነዞም ዝጽሕፉ ዘለው ክንዲ ሽሕ ኵኑ’የ ኢለዮም። ዓቢ ቁም-ነገር ይጸሓፍ’ዩ ዘሎ እንተ ኣስተብሂልናሉ፡ ንኵነታትና ዝገልጽን ዝብርብርን ጽሑፍ ይጸሓፍ’ዩ ዘሎ። ብኣንጻሩ ከኣ ብውሑዳት ወገናት ነዞም ዝዛረቡ ዘለዉ ሓለፍቲ እናመንጠልካን እናዘንጠልካን ኣብ ጸርፍን ኣብ ገለን ዘተኰረ ጽሑፋት ይቀላቐል ኣሎ። እዋእ ኣቱም ሰባት! እንታይ እያ እታ ሕቶ? ኣኼባ ንግበር እያ ትበሃል ዘላ፣ ኣይኰነን ድዩ? ብዛዕባ ቅዋም፡ ምርጫ፡ ዲሞክራሲ’ሞ ኣይኰነን’ዶ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ይዅን፡ እዞም 15 ዋላ፡ ዝዀነ ካብ መንግስቲ ዝተቓወመ የልቦን። ኵሉ እንድዩ ኣሚኑሉ። ንህዝቢ ባዕሎም’ዮም ነጊሮሞ’ምበር፡ ህዝቢ ከማን ሓቲትዎም ኣይፈልጥን። ኣብኡ ዘተሓታትት ዘሎ ኣይመስለንን። እዞም ሕጂ ካብ ኣጀንዳ ወጺኦም ዝህውትቱ ዘለዉ ሰባት ይገርመኒ’ዩ ኣነ። ኣብ ኣጀንዳ ዘይዛረቡ ሓቂ እንተ ሃልዩዎም። እወ ሰብ ሓቂ እንተ ኰይኖም፡ ኣብ ጭቡጥ ጉዳይ ዘይዛረቡ? ካብ ቀንዲ ኣርእስቲ ወጺእካ፡ ድሩዕ ከም’ዚ ገበረ ክስቶ’ባ ከምዚ ነይሩ ምባል፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ምውሳድ እዩ። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ቃለ-መሕትት ገይሩ ተባሂሉ ኣብ ጽጌናይ ርኢና ኣለና። እሞ ሕጂ’ኸ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ቃለ-መጠይቕ ገይሩ ተባሂሉ ከምኡ ጌርና ዲና ክንጽሕፈሉ? ኣይመስለንን እንተ ተጻሕፈ’ውን ጌጋ ኣለዎ። ኣቲ ኣጀንዳ እንታይ’ዩ፡ ዘተ ይገበር ይበሃል ኣሎ። ዘተ ከይገበርካ ደኣ’ሞ እንታይ ኢኻ ክትገብር? ዘተ ክግበር ኣለዎ። መንግስቲ’ኳ’ዮም፣ ዘተ ክገብሩ ክእከቡ ኣለዎም። ኣብ ሓደ ማዕልቦ ክበጽሑ ኣለዎም። እዚ ህዝቢ ብሩኽ ኰይኑ’ዩ እምበር፡ ኣብ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ኮ፡ ሓደ ሓለቓ ዓሰርተ እወ ኩድጭ ምበለ ኣብ ስልጣን ኣብ ከም’ዚ እዋን። ኣብ’ዚ ሃገር ግና ከምዚ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ሕቶ ንዛረብ። ኣብኡ ንካታዕ። መማረጺ ሓሳባት ነምጽእ። እምባእ፡ ትማሊ-ትማሊ ንድሩዕ ከም ሓላፊ ክትሰግደሉ ከም ዘይጸናሕካ ሕጂ ደስኪሉ? ኣነ እንድዒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ድሩዕ እንተ ዝሕተት ከምኡ ኣይምበለን። እንታዎት ኰይኖም’ዮም እዞም ሰባት ሕጂ ዝዛረቡ ዘለዉ? ስለ’ዚ ንህዝቢ ዘተሓቛቝፍ፡ ንህዝቢ ዘቀራርብ ጽሑፋት ክንጽሕፍ ክንክእል ኣለና። ኣነ ዝገርመኒ ገለ ጽሑፋት ኣለዉ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራብ’ሲ ነዞም ተሰዊኦም ዘለዉ ምርሳዕ ማለት’ዩ ዝብሉ። እንታይ ዓይነት ስርዓት ዲና ክንተክል ንሓስብ ዘለና? ንተጋዳላይ ዲዩ ንሲቪል፡ ንኵሉ ዝበለጸ ስርዓት ክንተክል’ዶ ኣይኮነን ድልየትና? ንውልቀ-ሰባት ኣልዒልና እንተ ዘይዘንጠልና ይሓይሽ። ውልቀ-ሰብ ደኣ ጽባሕ ንግሆ’ኸ ሰባት ካብ ስልጣን ምስ ወረዱ ብዛዕባኦም ዲና ክንጽሕፍ? ኣነ ሕማም ዘለዎም ሰባት ከይህልዉ ብዛዕባ ውልቀ-ሰባት ምጽሓፍን ምጽራፍን ባህ ዝብሎም።

 

ስለ’ዚ እዚ ኣገባብ ቅቡል ኣይመስለንን፣ እንተ ዘየለ ነዚ ኵነታት ብካልእ መገዲ ጌርካ ክትጥምዝዞ ምፍታን፡ ህዝቢ’ውን ዓገብ ክብሎ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ ዝመስለኒ… ህዝቢ ኤርትራ ሕልና ዘለዎ ንፉዕ ህዝቢ’ዩ። ሃገሩ ዘፍቅር ህዝቢ’ዩ። ነዚ ህዝቢ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋታት ከተእትዎ ምፍታን፡ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት’ውን ዘድሕን ኣይኰነን። ንህዝቢ ምንዓቕ ሓደገኛ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ። ናይ ፖለቲካ ሰባት ክፈላለዩ ከለዉ ንሕስያ ወይ ዒብ ዝበሃል ነገር የለን። ንዓና’ዩ ሓዲሱና’ምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ከምኡ’ዩ። እዞም 15 ይዅኑ፡ እዞም ገና ኣብ ስልጣኖም ዘለዉ መራሕቲ፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ክሳብ ዘሎ ንዓና ሓደ እዮም። ብዘይካኦም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ሕጂ እዞም ተቓወምቲ ዘምጽእዎ ዘለዉ ነገራትን መንግስት’ውን ዝብሎ ዘሎ እንተ ሃልዎም፡ ብወገነይ ንፈልጦ ስለ ዘይብልና፡ እዚ ሓቂ’ዩ እዚ ሓሶት’ዩ ኢለ ደምዲመ ዝቕበለሉ ነገር የልቦን። ከም’ቲ ምስጢራዊ ባህሪያቶም፡ ሕጂ’ውን በዘን ፈይ ኣቢሎምልና ዘለዉ ሓበሬታ እዚ’ዩ ክትብል ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ታስኪን ፖለቲከኛታት ዘሎ ክትፈልጦ ግዜን ትዕግስቲን ክሕትት እዩ። ድላዩ ትሕዝቶ ይሃልዎ ግን፡ ሓንሳብ ተፈላልዮም እዮም በብዘለዎም ይኸዱ እንተ ደኣ ኢልና ዕንወት ክኸውን’ዩ። ግድን ህዝቢ ዝፈልጦ ድዩ ክካየድ ኣለዎ። ብኣጋ ኣብ ፍታሕ ክብጻሕ፡ እቲ ባይቶ’ውን ባይቶ ክመስል፡ ኵሎም ተጠርኒፎም ብዛዕባ’ቲ ሃገር ዝመዘዘቶም ጉዳያት ክዛረቡ ኣለዎም። ሓደ ደስኪሉ፡ ሓደ ገለ ኰይኑ እናተባህለ ሸተት-ሸተት እንተመጺኡ፡ ማይ ዓሚዅና ክንተርፍ ኢና። ከመይ ኢልና’ኸ ብዛዕባ ተሓታትነት ባይቶ ናይ ምርዳእ ፈጢሮም ቅዋም ኣጽዲቖም ብሕጋዊ መገዲ እወንታን ኣሉታን ገምጊሞም ናብ’ቲ ከም ብሓድሽ እንምስርቶ ብኵሉ ዓይነት ሓድሽ መንግስቲ ከስግሩና? ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም። መንግስቲን ህግደፍን ኩሎም እዞም ተቓወምቲን፡ ብዛዕባ ቅዋምን ምቛም ሰልፊታትን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዝኣምኑሉ ባዕላቶም ሓቢሮምና ኢዮም። ንሕና’ውን ኣብኣ ጸቒጥና ከነማዕብልን ክንክተልን እዩ ዝግብኣና። ካብ’ዚ ወጺእካ ጫሌዳ መንገዲ፤ ቅዋም እዋኑ ኣይኰነን፡ ኣየድልየናን እዩ፡ እናበልካ ምዝራብ በይንኻ ምኻድ እዩ። ቅዋም እኮ ተጻፊፉ ስለ ዘሎ፡ ዋላ ሎሚ መዓልቲ ክእወጅ ይከኣል እዩ። ካብ ጽባሕ ጀሚርና ከኣ ኵሉ ሕቶታትና ኣብ ውሽጡ ስለ ዘሎ ብሕጋዊ መገዲ ብዝግባእን ብዝሓጸረን መገዲ ክፍታሕ ኢዩ። እዚ ዝዀነሉ ነዚ ህዝቢን ሃገርን ዝረብሓሉ እዋን ኣብ ዓወት ከነብጽሖ ኢሎም መራሕትና ተጠርኒፎም ኣብ’ቲ ዝመዘዝናዮም ጉዳይ ሃገር ክዛረቡ ምግባር ቈጸራ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን።
 

ኣብ ገለ-ገለ ጋዜጣታት ትጽሕፍ ኢኻ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ’ውን ዝንባለ ኣለካ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ትጽሕፎ ከመይ እዩ?

ገለ-ገለ እፈታትን እየ። ሓገዝ የብለይን፣ መነባብሮ’ውን ከምኡ ኣይደፋፋኣንን’ዩ። ኣብ ገለ-ገለ እዋናት ግና ጸሓፍ ጸሓፍ ይመጸኒ’ሞ እፍትን። ፖለቲከኛ ኰይነ ዘይኰንኩስ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዘዋህለልኩዎ’ስ ገለ ንህዝቢ’ዶ ሓበሬታ ይዀኖ ኢለ እጽሕፍ’የ ብዓቕመይ። ጽቡቕ’ዩ ጽሒፍካ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ፡ ግን ኣነ ብውልቀይ ዘተባባዓኒ የለን ከም ጸሓፋይ’ውን ንነብሰይ ኣይቆጽራን’የ። ከምኡ ጥራይ ይፈታተን ብፍላይ ኣብ’ዘን ናጻ ጋዜጣታት።

 

ስዩም ሕጂ ብከመይ ትናበር ኣለኻ? ኣብ ምንታይ ስራሕ’ከ ተዋፊርካ ኣለኻ?

ኣነ ስርሐይ እዚ’ዩ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓደ ቤት ጽሕፈተይ መኪናይ እያ። ካልእ’ውን ሳንሻይን ሆቴልን እምባሶይራ ሆቴልን’ውን ቤት ጽሕፈተይ’ዩ። ኵሉ ሰብ’ዩ ዝፈልጦ። ሰብ’ውን ኣብኡ’ዩ ዝረኽበኒ። እቶም ሰብ ሆቴል’ውን ይፈትዉኒን የኽብሩኒን። ጽምዋ ምስ ኰነ’የ ዝኣቱ። ሰብ ዝበዝሓሉ እዋን ኣይኣቱን’የ፣ እቲ ጽምዋ ደስ’ዩ ዝብለኒ። ከም’ዚ እናበልኩ፡ ኣብ መኪናይ ኰይነ’ውን እሰርሕ። ካብ ዝጣየስ ውሑድ ኣይኮነን ገለ 5 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ንዓይ ከተስርሕ እትኽእል ገዛ ግና ክሳብ ሕጂ የብለይን። ውዱብ ዝዀነ ስራሕ ክሰርሕ እደሊ፡ ግና ዕረፍቲ የብለይን መቸም ብዙሕ እሓስብ። ኣብ’ቲ ሞያ ናይ ጋዜጠኝነት’ውን ወስ ይብል ግዜ ምስ ዝረክብ። ገለ ጽሑፋት ክጽሕፍ ኣዋርሕ ዝወስደለይ እዋን’ውን ኣሎ። ይእክቦ፣ ኣራርየ ገለ እጽሕፍ፣ እቲ ስራሕ’ውን ትፈልጥዎ ኢኩም ባዕልኹም ኣድካሚ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ’የ ከኣ ድሕሪ 6 ወርሒ ገለ ዝጽሕፍ። ካልእ ምስቲ ቍሩብ ዝተመሃርኩዎ ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን፡ ገለ ቍሩብ ስራሕ’ውን እሰርሕ’የ እንተ ተረኺቡ። ካሜራይ’ውን ኵሉ ግዜ ምሳይ’ያ ትዘውር፡ ኣብ መኪና ኵሉ ግዜ’የ ሒዘያ ዝኸይድ። ሓሓንሳብ ካሜራይ ትስረቕ ገለ ሰባት ይህቡኒ፡ ከምኡ እናበልኩ እስእል። ሓደ-ሓደ ስእሊታት’ውን ንህዝቢ አቕርብ’የ። እዚ’ዩ እምበኣር ናብራይ፣ እምበር ስቕ ኢልካ መደብ ዘይብሉ ናይ ሃታሃታ ህይወት’ዩ። ግና መደባተይ ምትግባር እናኣበየኒ’ምበር “ስቱድዮ” ክገብር እሓስብ። ናይ ጋዜጠኝነት ፎቶ-ግራፍን ስራሕ ከካይድ እሓስብ፡ ከምኡ ከቕውም እምነ። ግና ከም ዝበልኩኻ ትምኒትን ክውንነትን እናተጋጨወ ብዙሕ ኣይሰጐምኩን፣ ንደሓር ድማ ኣምላኽ ይፈልጥ።

 

ስማዕስከ ስዩም ኣባል እታ ስምጢራዊት እትበሃል ሰልፊ’ኸ ኔርካ’ዶ?

ክሳብ ሕጂ፡ ኣነ ኣባል ነይረ ዝበለ ስለ ዘየሎ፡ ዋላ’ኳ ቀሊል እንተ መሰለ ትብዓት ዝሓትት ይመስለኒ። ኣይነበርኩን ምባል ግን ዘሰክፍ ዘለዎ ኣይመስለንን። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፡ ሰልፊ ምንባሩ ኣብ 1994 እየ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ናቕፋ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ምስ ነገረና’የ ንመጀመርታ ግዜ ፈሊጠ። ዝበዝሕ ተጋዳላይ’ውን ከምኡ። ሽዑ ስዉር ፓርቲ ከም ዝነበረን ሕጂ መን ኣባል ነይሩ? መንከ ኣይነበረን? ዝብል ስምዒት ኣይነበረንን። ኣብኡ ከለኹ ግን ኣባላቱ ኣዝዮም ውሑዳት ከም ዝነበሩ፡ ዝበዝሕ ተጋዳላይ ኣባል ከም ዘይነበረ ክግምግም ክኢለ። እቶም ኣባላት ዝነበሩ’ውን ብጋህዲ ዘይኰነ፡ ብኣዝዩ ምስጢራዊን ጸልማትን ክውደቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ሕራይዶ እምቢ ዘይኰነስ፡ ሕራይ ክብሉ ኣለዎም ስለ ዝግምት፡ ካብ ዝዀነ ተጋዳላይ ፈልየ ኣይርእዮምን። ሕጂ’ውን ብገምጋመይ እቲ ሰልፊ ኣብ’ቲ ቃልሲ ዓበይቲ ኣበራት ነይርዎ ክኸውን ግድን እዩ። ብዛዕባ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ጐድንታቱ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ዕላማታቱ፡ ብዛዕባ ስለምንታይ ንተጋደልቲ ተመስጢሩ ግን ዝፈልጦ የብለይን። ክህልወኒ’ውን ኣይክእልን እዩ። ሽዑ ዘድነቕኩዎ ነገር እንተ ነይሩ፡ እዞም ሕጂ ተበታቲኖም ‘እከለ’ባ እከለ’ባ’ እናተበሃሃሉ ነቲ ገለ ዘይፈልጥ ሓንጎልና ዘናውጽዎ ዘለዉ መራሕቲ፡ ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ስልፊ ብምስጢር ምዕቃቦም ክሳብ ባዕላቶም ዝነግሩና ከይፈለጥና ምጽናሕና ገሪሙኒ፣ ኣድኒቐዮም። ሕጂ’ውን ብዘይካ’ቲ ባዕሉ ዝደርጐሓልና ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ካልእ ብገምጋም እንተ ዘይኰይኑ መን ኣባል ነይሩ ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ምስጢር ብካልእ መገዲ ቀጺሉ ድዩ ዋላ ኣይቀጸለን ዝፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እቶም ኣባላት ዝነበሩ’ውን ዝያዳና ነቲ ምስጢር ይፈልጡ። ኣቐዲሞም ይፈልጡ ነይሮም ይዀኑ፡ ዝተጋነነ ሓለፋታት ነይርዎም ግን ኣይብልን ብገምጋመይ። ምኽንያቱ እታ ብሓባር ትጥርንፈና ዝነበረት ህይወት ጽንክርቲ፡ ኲናትን መስዋእቲን ዝመልኣ ህይወት ስለ ዝነበረት። ኣብ’ዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣባላት መንግስቲን ህግደፍን ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ከኣ፡ ኵልና ተጋደልቲ ብሓባር ከም’ቲ ዕላማና ብጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ንርእዮ እምበር፡ ብናይ’ዞም ዘይንፈልጦም ምስጢራውያን መራሕቲና ዋጢጥ፡ ኣባል ይዅን ዘይኣባል ሰልፊ ተባሂሉ ንፈላለየሉ ነጥቢ ከም ዘይህሉ እኣምን። ገለ ኣዝዮም ኣዝዮም ውሑዳት ብዝተዋህቦም ቦታን ሓላፍነትን ተዓሽዮም፡ ሃገርን ህዝቢን ረሲዖም ሓሸውየ ከብሉና ዝሓስቡ እንተ ሃልዮም ከኣ፡ ህዝቢ ዘይዕገትን ተዓዋታይን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኵሉ ግዜ መቸስ ብገምጋም እዩ። ኣባል ሰልፊ ንክትከውን ዝለዓለ ቈራጽነት ስለ ዘለካ ከም ዘይኰነ እኣምን። ብቈራጽነት እንተ ዝነብር፡ እቲ መምዘኒ መእተዊ ረቛሒ ብዘይ ውልውል ኵሉ ወይ ዝበዝሐ ተጋዳላይ ኣባል ምዀነ ነይሩ። ብወገነይ እንቋዕ ኣባል ሰልፊ ኣይነበርኩ፣ እንቋዕ ከም’ቲ ዝበዝሐ ተጋዳላይ ከይፈለጥኩ ኣተኹ’የ ዝብል። ስለ’ዚ ኣባል ኣይነበርኩን።

 

የቐንየልና ስዩም ጸሃየ ስለ’ቲ ሰፊሕ ቃለ መጠየቕኻ ብስም ኣን በብቲ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ነመስግነካ!

ኣነ’ምበር ኣሸጊረኩም የቐንየለይ።

_________________________________________

*ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ቃል-መሕትት ስዩም ጸሃየ ምስ ጋዜጣ ቀስተ - ደበና ኣብ 4 ከምኡ’ውን 8 ሓምለ 2001 ሕታማት ዝወጻ’የን። ሕጂ ናብ ዝበዝሐ ኣንባቢ ንምብጻሕን ነቲ ታሪኽ ምስናዱን ኣዝዩ ውሑድ ናይ ፊደላት ምምዕርራይ (ሕድገት ምእራም) ጥራይ ተገይሩሉ ከም ዘለዎ ይሕተም ኣሎ።


 

 

 

« GO BACK