ድሕሪ ሞት ኣቦኻ

No comments

ቅንየት

1

ኣያይ ሮሜር ሰዓቱ

ጕድጓድ መረብዓቱ

 

ሞት ምስ ወደሰ

ኣቦይ’ውን መለሰ

ኰይኑ ጥንቅልዒት

ብዘይከበሮ ብዘይጣቕዒት

 

ግዜ’የ በጃኻ

ጐርጕራ ጁባኻ

 

ግዜ ጁባኡ ጐርጒሩ

እዝጊ ዋንኡ ሽሩፍ ስኢኑ

ግን’ቲ ዘይሕለል ኣያይ ሓየቴ

ብኑዛዜ ወዲሱኒ ወያ ሰዓቴ

 

2

ወዳስን ተወዳስን

ኰይኖም ፈዳስን ተፈዳስን

ኣብቲ ጸጥ ዝበለ

እዋን ሓመድ ድበ

ወያ ኣቕሓ ውርሻ

ብቂምቂምታ ኣቃሊሓ

 

ንወድስ ንወዳድስ

ንዓስከ ሓድሽ

ሃይለ ቢዘን

ካብ መጽሓፍ ብድሕሪ ማዕጾ፤ ሕሩይ ቅንየት (2008)

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email