“ብቛንቋኡ ዘይዛረብን ዘይጽሕፍን ኣፍሪቃዊ ንሕብረተሰቡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ክግበሮ ኣይክእልን’ዩ᎓”

ብኣላይነት ግዱሳት ኤርትራውያን ጸሓፍቲን ተመራመርቲን ከምኡ’ውን ማሕበረኮም ሳንታ-ክላራ፣ ምስ ዩኒቨርስቲ ሳንታ-ክላራ ብምልፋን ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ስደት ዝምልከት ናይ ሓደ መዓልቲ ስይምፖዝዩም ተቓኒዑ። “ብድሆታትን ዕድላትን ኤርትራያን ጸሓፍቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ᎓ ቀዳም 10 መጋቢት ኣብ ሳንታ-ክላራ--ካሊፎርኒያ--ተጋቢኡ ኣብ ዝወዓለ ናይ ሓደ መዓልቲ ስዩምፖዝዩም ካብ በብይኑ ከባቢታት ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 60 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ሓቚፉ ውዒሉ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ᎓ ኣቦ-መንበር ኮሚተ’ቲ ስይምፓዝዩም ኣቶ ኣብርሃም ነጋሽ᎓ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መእተዊ ድሕሪ ምስማዑ᎓ ዶክተር ትረሺያ ሂንጋ ካብ ዩኒቨርስቲ ስንታ-ክላራ ድማ ንኣፍሪቃዊ ስነ-ጽሑፍ ኣመልኪቱ ዝግበር ስይምፖዝዩም ክትርኢ ምብቅዓ᎓ ይደንጒ ደኣ’ምበር᎓ ኣመና ዘተባብዕ ምዃኑ ጠቒሳ። ዶክተር ሂንጋ ኣብ መግለጺኣ᎓ ንውሩይ ወዲ-ሃገራ ዝዀነ ደራሲ ንጉጊ ዋ ቲያንጎ ብምጥቃስ᎓ “ብቛንቋኡ ዘይዛረብን ዘይጽሕፍን ኣፍሪቃዊ ንሕብረተሰቡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ክግበሮ ኣይክእልን’ዩ᎓” ኢላ።


ቀጺሉ ናይ መኽፈቲ ጕባኢ ዘስምዐ ደራሲን ኣሰናዳኢ መርብበ ሓበሬታ ዓዋተ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ (ጆሃር)’ዩ። ኣቶ ሳልሕ ኣብ መግለጺኡ᎓ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብዕድመን ደረጃን ንኡስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ᎓ ብሰንኪ ታሪኻዊ ክውንነት ብፖለቲካዊ ቃና ኣመና ዝተለኽየ ብምዃኑ᎓ ከምቲ ዝግበኦ ንሕብረተሰብ ክነቅፍን ከማእዝንን ከም ዘይከኣለ ጸብጺቡ።

ብኣልያነት ፕሮፈሶር ኤርሚያስ ክብርኣብ ቅድሚ-ቀትሪ ኣብ ዝቐረበ ወረቓቕቲ፤ “ብድሆታትን ዕድላትን ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ኣብ ስደት”፣ “ዳህሳስ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ”፣ “ብድሆታት ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ--ርእሰ-ተመኵሮ”፣ “ኣበርክቶ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብ ምምዕባል ቋንቋታት ኤርትራ” “ሕግታት እንዳባ ብዛዕባ ምእላይ ወለዲ”፣ “ምዕባለታት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ብሊን (1992-2006)” ዝብላ ወረቓቕቲ ቀሪበን።

ብበይኖም ኣቕረብቲ ደጋጊሙ ዝጥቀስ ዝነበረ ዛዕባታት፤ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝኸደ ዓፈና ሓበሬታን ንሱ ዝፈጠሮ ሰለሎን በቲ ሓደ ወገን᎓ ዓለማዊ ምንቍልቋል ወረቐታዊ ሕትመት ድማ በቲ ካልእ ተደርሚሩ᎓ ናብቲ ምሉእ ዓለም ዝጓዓዞ ዘሎ ምስ ዘመናዊ መራኸቢታት ብዝኸይድ መገዲ--ብቐንዱ ከኣ ሕትመት ኢንተርነት--ምንዳይ እቲ ዘይተርፍ ኣማራጺ ምዃኑ ዘእንፍት’ዩ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን እቲ ስይምፖዝዩም ኣብ ተዋሰብቲ ቴማታት ዝተኰሩ ኣርእስታት፤ “ጽባቐ ግጥምታት ትግረን ትግርኛን”፣ “መስርሕ ኣተረጓጕማን ኣጠቓቕማን ናይ ሓሳባት”፣ “ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ”፣ “ቍርሲ-ቡን፤ ጦብላሕታዊ ጽሑፋት”፣ “ዕንባባ ንህቢ”፣ “ትዕዝብተይ ኣብ ኤርትራዊ ፊልምታት”፣ “ጨፈራ ኣብ ባህላዊ መርዓ”፣ ከምኡ’ውን “ሓሳባዊት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጽሑፋት በየነ ሃይለ” ዝብላ ኣርእሰተ-ወረቓቕቲ ቀሪበን።

ኣብቲ ስይምፖስዩም ብሰንኪ ራሕቂ ቦታ--ከም ሽወደን--ብኣካል ክመጹ ዘይከኣሉ ተሳተፍቲ ብመገዲ ናይ ርሑቕ ጻውዒት’ዮም ወረቓቕቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ምዝዛም’ቲ ስይምፖዝዩም᎓ ነቲ ኣብኡ ዝፈሰሰ ሓሳባትን ተመሳሳሊ ናይ ብሕድሪ-ሕጂ ተበግሶታት ንምውህሃድን ሓንቲ ኮሚተ ተመሪጻ። ቀዳምነት ናይታ ኮሚተ ኣብቲ ዝተላዕለ ንኤርትራውያን ጸሓፍቲን ኣሕተምቲን ዝምልከት ናይ ሓበሬታ መስመር (ኔት-ዎርክ) ብእኡ ኣቢልካ ድማ ናብ ማሕበር ክዓቢ ዝኽእለሉ መስርሕ ንምፍታሽ’ዩ።

ናይ ሓደ መዓልቲ ስይምፖዝዩም ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ᎓ ብምርኢትን መሸጣን መጽሓፍቲ’ዩ ተዛዚሙ።

 

« GO BACK