እዛ እትስዕብ ቃለ-መሕተት ስነ-ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ-ዃዳ) ምስ ገጣሚን ጋዜጠኛን ኣማኑኤል ኣስራት (ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሎሚ ብዘይ ደሃይ ተሸሪቡ ዘሎ) ኣብ ናይ 17 መስከረም 1999 ሕታም ጋዜጣ ሰቲት ዘካየዶ ኢያ። እዛ ምልልስ ብብዙሕ መምዘኒታት--ርጡብነት ሕቶታታትን ዘየዳግም መልስታትን--ኣዝያ ብልጽቲ ኰይና ነዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ መኸዴ ዝመላለስ ዘሎ ኣምር ግጥሚ ብልጽቲ መወከሲት ክትከውን እትኽእል’ያ።

ኣማኑኤል ኣስራት ወዲ 27 ዓመት’ዩ። ኣብ ሰሜናዊት ኣኽርያ፣ ሳንታ - ኣና ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ኣስመራ ᎓ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ድማ ብዕቃበ ሓመድን ማይን (soil and water conservation) ብባችለር ዲግሪ ተመሪቑ። ኣማኑኤል ኣብ ግጥሚ ልዑል ዝምባለን ዓቕምን ዝተዓደለ ንእሽተይ ገጣሚ እዩ። ወዲ 13 ዓመት እንከሎ’ዩ ‘ሽጋራ ’ ብእትብል ቦኽሪ ግጥሙ ዝፈለመ። ንሎሚ ምስ ኣማኑኤል ኣስራት ዕላል ጌርና ኣለና’ሞ እንሆ።

ሕቶ፤ ገጣሚ ብትዕድልቲ’ዩ ᎓ ይብሉ ገለ ድማ ገጣሚ ምዃን ብትምህርቲ ብተመኲሮን ብትዕዝብትን ይመጽእ ይብሉ። ኣብዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ኣማኑኤል፤ እዚኦም ተጋግዮም እዚኦም ቅኑዓት ኣለዉ ክብል ኣይክእልን፣ ከመይሲ ደቂ ሰባት ኣእምሮኦም መዐቀኒ የብሉን። ካብዛ ጀማሪት ተመኵሮይ ግን ፈለግ ስምዒት ክሓድረካ ኣለዎ። እዚ ምስ ሃለወ’ዩ ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ብዙሕ ብምንባብን ግጥሚ ዚመጽእ።

ሕቶ፤ ግጥምታትካ ኣበይ ዘተኰሩ እዮም?

ኣማኑኤል፤ ብሓፈሻ ስነ ጥበብ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ስለ ዚዛረብ ኣብ ሰብኣውነት ወትሩ እዮም ዝምርኰሱ። ማሕበራዊ፣ ስነ ኣእምሮኣውነትን ሃገራውነትን ዝሓቚፉ ግጥምታት ኣለዉኒ። ንጾታዊ ፍቕሪ ግን ንኡስ ጠመተ እየ ዝገብረሉ።

ሕቶ ፤ ግጥሚ ምስ ካልእ ዓውዲ ኣነጻጺርካ እንታይ ርእይቶ ምሃለወካ?

ኣማኑኤል፤ ንዂሎም ዓውድታት ስነ ጥበብ ሓንቲ መላግቦ ኣላቶም፣ ንሳ ድማ ኵሎም ጽባቐ ስለ ዘምልኹ’ዩ። ግጥሚ ሓጺርን ሓያልን፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ስምዒት ስምዒት ደቂ ሰባት ዘበራብር ዓሚቕ ዓውዲ እዩ። ከም ካልኦት ዓውዲታት ብዙሕ ዕንክሊል ክብል ግዜ የብሉን። ኣብ ሒደት ደቓይቕ ዝተደኰነ ዓውዲ’ዩ፣ ግጥሚ ስምዒትን ሓንጎልን ዝሃርመሎም ጠያይት ቃላት እዮም። ኣብ ግጥሚ ንጥቀመሎም ቃላት ገላጽነት ሓሳብ ናይቲ ግጥሚ ኣብ ዕምቆቱ ዓቢ ግደ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ግጥሚ ሓጺር እኳ እንተዀነ ዕምቆት ዘድልዮ ዓውዲ ስለዝዀነ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ እናሓንሳእሲ ካብ መንፈቕ ክሳብ ዓመት ዚወስድ ኣሎ።

ሕቶ ፤ ኣብዚ ጋዜጣታት ድዩ ኣብ መጽሔት ወዘተ ናዕታ ምዂማር ግጥሚ ዚመስሎም ኣለዉ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘንበብካዮም ግጥምታት ከመይ ትግምግሞም?

ኣማኑኤል፤ ናዕታ ስለዝሃረምካ ጥራሕ ገጣማይ ክትከውን ኣይትኽእል ኢኻ። ናዕታ ሓደ ባእታ ናይ ግጥሚ’ዩ፣ ግጥሚ᎓ ዜማ ክህልዎ ግድን ስለዝዀነ። እቲ ቀንዲ ግን ዕምቆት ሓሳባት’ዩ፣ ውህደት’ዩ፣ ኣንበብቲ ምስ ኣንበብዎ ከስተማቕርዎ መታን ኪኽእሉ ዝያዳ ናይ ግጥሚ ዕምቆት ግዜ ኪወሃቦ ኣለዎ። ዕምቆት ናብ ግዜ ጥራሕ ከነጽግዖ እኳ እንተተገብረ ደጋጊምካ ብምጽሓፍ እቲ ርዝነት ኪመጽእ ይኽእል’ዩ። ግጥሚ ስምዒት’ዩ እኳ እንተበልኩኻ እቲ ስምዒት ግን ብዓይኒ ነቐፌታ ኪጥመት ይግባእ።

ሕቶ ፤ ግጥምታት ግን ሓሳብ ሓቚ ፎም ዘደንዝዙ እዮም?

ኣማኑኤል፤ ጽቡቕ ኣለና እኮ ኣይበልኩን። ሓሳብ ኣሎ᎓ ንሱ መበገሲታት’ዩ፣ ከም ሓደ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ወሲድና ናብ ጽባቐ ወይ ቅርጺ ምቕያሮም ግደ ገጠምቲ’ዩ። ኣነ፣ ገጣማይ ዚብሎ ሓደ ርድኢት ወይ ሓሳብ ሒዙ ናብ ጽባቐ ዘድህብ’ዩ።

 

ሕቶ ፤ ጽቡቕ፣ ካብ ሓደ ኣፍልጦ ወይ (concept) ናብ ጽባቐ ወይ ቅርጺ (form) ምቕያር እዩ እንተ ኢልናዮ ንግጥሚ ብዚምልከት ኣብዚ ክልሰ ሓሳብ ኣብ ዚ ኣለኻዶ ወይ ንገጠምትና ኣብዚ ኣለዉ’ዶ ትብል? 

ኣማኑኤል፤ ከም ክልሰ ሓሳብ እፈልጦ። ኣእምሮ ገጠምቲ ግን ዋላ’ኳ ክልሰ ሓሳብ ምፍላጥ ንምግጣም ልዑል ግደ እንተሃለዎ ደጋጊምካ ብምስራሕ’ዩ ናብ ጽቡቕ ዘምርሕ። ኣብኡ ኣብቲ ጽባቐ ንጋማዳሕ ኣለና ኣይብልን። ናብኡ ገጽና ንግስግስ ዘለና ግን ይመስለኒ፣ እንድዒ ደኣ ኣንበብቲ ዚብልዎ’ምበር። ጽባቐ ድማ ደጋጊምካ ኣብዚ ዓውዲ ብምስራሕ እዩ ዚመጽእ። 
 
ሕቶ ፤ ናይ ግድን ድዩ ሓንቲ ግጥሚ መልእኽቲ ክህልዋ?
ኣማኑኤል፤ እወ።

 

ሕቶ ፤ ስነ - ጥበብ ንስለ ስነ - ጥበብ (art for art sake) ዚብሉ ኣብ ጽባቐ ጥራሕ ዘድህቡ፣ ንመልእኽቲ ዘይግደሱ ኣለዉ፣ ሓሳብካ ነዚ ዚጻረር ይመስል?

ኣማኑኤል፤ ብሸነኽ ጽባቐ ምስኦም እሰማማዕ እሞ፣ ሻቡ ድማ ኣንፈትና ምስ’ዞም ሰባት በበይኑ ይኸውን። ሓንቲ ሕቶ ስለዘልዓልኩ እየ። ነየናይ ኢና ነጸብቕ ዘለና? ትብል ሕቶ ኣንጻር ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ ንዚብሉ ሰባት እነቅል። ትሕዝቶ ዘይብልካ መልእኽቲ ዘይብልካ ጽባቐ ጥራሕ ምትምናይ ግን ኣንጻር ጽባቐ ትነቅል ኣለኻ ማለት’ዩ። መንገብገብ ዘይብልካ ክትነፍር ምሕሳብ ስሕበት መሬት (Gravity) ኣብ ግምት ኣይተእቱን ኣለኻ’ሞ ምውዳቕካ ኣይተርፍን እዩ። ብዘተ ትሕዝቶ ከጸብቕ ዚሓስብ ገጣማይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ።


ሕቶ ፤ ስማዕ ኣማኑኤል፣ ንሓንቲ ግጥሚ እኮ እንታይ ትብል ኣላ ዘይኮነ ንብላስ ከመይ ኢላ ትብል ኣላ እዩ ቐንዲ ሕቶ ?

ኣማኑኤል፤ ኣብ ሓደ እዋን እቃወምን እሰማማዕን፣ ከመይሲ፣ እቲ ዕላማ ሓደ ትሕዝቶ ክህልዎ ኣለዎ። ዝያዳ ንጽባቐ ግዜ ክንህብ ኣቐዲምና ‘እንታይ እዩ መልእኽታ’ ብድሕሪ እዚ እቲ ቐንዲ መምዘኒ ገጣማይ ፈጠራዊ ዓቕሙ ስለዝዀነ ከመይ ኢሉ ነዚ መልእኽቲ ብጽቡቕ ይገልጽ ኣሎ? ትብል ሕቶ ንበይና ነጺልና ናብኣ ወገን ክንሕዝ ርእይቶይ ልክዕ የለናን እብል።

 

ሕቶ ፤ ከም ሕቶ እኳ ድኽም እንተበለት ክሓተካ ግን ኣፍቅደለይ፣ ግጥሚ ንዓኻ እንታይ እዩ?
ኣማኑኤል፤ ከም ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ክልተ ተፈጥሮታት ዘራኽብ መላግቦ እዩ። እታ ሓንቲ ተፈጥሮ እዛ ባህርያት ዝተዓደለት ተፈጥሮ፣ እታ ካልአይቲ ድማ ተፈጥሮ ናይ ስነ-ጥበብ ግን ኣብ ኣእምሮ ስነ-ጥበበኛ ዘላ።

 

ሕቶ ፤ ኣብ ኣእምሮ ተፈጥሮ ምህላው ኣይቃወምን፣ ግን ቅዳሕ ናይታ ባህርያዊት ተፈጥሮዶ ኣይኰነን ኣብ ኣእምሮ ዚድኰን ?

ኣማኑኤል፤ መዓስ ክሒደ። 

ሕቶ ፤ እሞ ሓደ እየን ?

ኣማኑኤል፤ ክልተ’ዶ?

 

ሕቶ ፤ ተንትነለይ?
 ኣማኑኤል፤ እታ ኣብ ኣእምሮ ስነ-ጥበበኛ ትድኰን ኣዝያ ምልእቲ’ያ ጐደሎ የብላን፣ እቲ ጽባቐ እዩ። ኣብታ ባህርያዊት ተፈጥሮ ዚረአ ዘይዕሩይ ሓላፍ ዘላፍ፣ ኣብታ ኣብ ኣእምሮ ዚተደኰነት ፈጺሙ ኣይርአን’ዩ። ግን ንተፈጥሮ መልክዕ ኣልቢሱ ዚቕይሮ ጐደሎን ዘይጐደሎን ሓደ እዮም እንተይልካኒ፣ ኣነ ‘ኣይኰነን’ እብል፣ ንስኻ ኣረኣእያኻ ኣለካ። ኣነ ግን ኣረኣእያይ ከም ናይ ቶስቶይ እዩ።

 

ሕቶ ፤ ቶልስቶይ ብዛዕባ ተፍጥሮ ዚብሎ እንታይ እዩ?

ኣማኑኤል፤ መሊኡ። ብህይወት ኣሰንዩ ገሊጹልና። እዛ መዓልታዊ እንርእያ ህይወት ኣብ ኣእምሮ ስነ-ጥበበኛ’ዩ ትሕደስ’ያ ኢሉ፣ ካልእ ህይወት ትኸውን። እቲ ፈጠራዊ ኣበርክቶ ናይ ሓደ ስነ-ጥበበኛ’ዩ ዘሐድሳ ኢሉ ነይሩ።

ሕቶ ፤ ኣብዚ ነዚኣ ጠጠው ኣቢልና ንድሕሪት ዘይመልሰካ፣ ኣነ መላግቦ’ዩ ( ዚብሎ ) ኢልካዮ ንግጥሚ ?
ኣማኑኤል፤ እወ፣ ግጥሚ ፈጠራዊ ዓቕሚ ዚፈሶ እዩ᎓ እቲ ፈጠራዊ ዓቕሚ ድማ ናብ ሕልሚ ጽግዕ ስለ ዚብል ካብ መዓልታዊ መነባብሮ ኪፍንተት ግድን’ዩ። ኣብ ዓቕሚ ምፍጣር ዚተመርኰሰ ድማ እዩ። ስለዚ ኢማጅነሽን ብመገዲ ግጥሚ ክልተ ተፈጥሮ ዘራኽብ’ዩ መላግቦ ድማ እብሎ ኣነ።

 

ሕቶ ፤ ግጥምታትካ ትዓግበሎም ዶ ?
ኣማኑኤል፤ ስነ ጥበበኛ ወትሩ ሓድሽ ስለዚፈቱ እንተዘይዓገብኵሎም’ኳ ኣይጸልኦምን’የ። ግጥምታተይ ግን ኣዕሩኽተይ እዮም፣ ናይ ቀረባ ብጾተይ። እንደገና ክትክዝ᎓ እንክጭነቕ ዘህድኡንን ዝእብዱንን ብጾተይ እዮም። ከምቲ ወዲ ሰብ ንኺነብር መግቢ᎓ ክዳን᎓ መዕቀሊ ዘድልዮ ግጥሚ ንዓይ ራብዓይ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ህይወት’ዩ᎓ ማለተይ ብልቢ ክነብር’ኳ እንተበልኩ ‘ብዘይ ግጥሚ ኣይመስለንን’ እዩ እቲ መልሲ።

 

ሕቶ ፤ ናይ ካልኦት ገጠምቲ ትፈትወን ግጥምታት ወይ ባህ ዘየብላኻ ግጥምታት ምጠቐስካልና’ዶ ?
ኣማኑኤል፤ ናይ እገለ እፈቱ፣ ቅዲ እገለ እጸልእ ኣይብልን’የ። ከመይሲ ፊደላት ስለዘጋጣጠምና መስመራት ቓላት እንተደርደርናዮ ኲላትና ገጠምቲ ማለት ኣይኰናን። ኣንባቢ ግጥሚ እንታይ ኰይኑ ዘይዓግብ ዚብል ሕቶ እንተልዓልና ኣሽምባይ ትንእዶ ትዝክሮ ገጣማይ እኳ ትስእን። ግጥሚ እኮ ንስለ ምጽሓፍ ኣይኰነን ዚድርደር። ገና ግጥምታትና ኣብ መንጎ ነግሕታት ብሱል መላግቦ ዘይብሎም ምጣነ ዝተነፍጎም ንስለ ናዕታ ምህራም ኣእምሮና እናተስርቀ፣ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነግሒ ነዐሙቕ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ዲና ዋላስ መዝገበ ቃላት ትግርኛ እናበጥቆልና ትርጒማቶም ከይተረድኡና ዘይዝውቱራት ቃላት ግጥምታትና እንተወተፍናሎም’ሲ ነቲ ግጥሚ ኣደንቊርናዮ ጥራሕ ዘይኰነ፣ ንነብስና ነባሪ ህይወት ንኸልኦ ኣለና። ሕያዋይ ሓታቲ ነቶም ንፍትን ንበሃል ጠራኒፉ ‘ኣበይ ኣሎ እቲ ጽባቐ፣ ርዝነት ስኢነሉ’ እንተዚብለና ምዕንይናይን ርእስኻ ምድናን’ዩ ኪኸውን። ነየናይ ገጣማይ እንታይ ዓይነት ዕምቈት ስለዘለዎ እየ᎓ ‘ንእገለ ኣድንቖ’ ኢለ ክውድስ᎓ ገና ኩላትና ካብዚ ሓጢኣት ዘይተናገፍና። እዚ ኰይኑ ግን ብደረጃ ሃገርና ጽቡቕ ኣንፈት ዘለዎም ገጠምቲ የለዉን ማለት ኣይኰነን።

 

ሕቶ ፤ ካብ ኣፋዊ ስነ - ጽሑፍና ገጠምቲ ዝወረስኩሞ እንተሃዩ ?
ኣማኑኤል፤ ወላ ሓንቲ’ኳ።

 

ሕቶ ፤ እቲ ሰንሰለት ኣይተበትከንዶ ?

ኣማኑኤል፤ ኣይ ንሱ እንድዩ ዘዕነንየና ዘሎ።

ሕቶ ፤ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል ?

ኣማኑኤል፤ ንድሕሪት ምምላስ።

ሕቶ ፤ እሞ እንታይ ደኣ ዓገተኩም?

ኣማኑኤ፤ ሰማይ ሰማይ ምጥማት።

ሕቶ ፤ እቲ ጠንቂ ምብታኽ ሱር ኣፋዊ ግጥምታትና ኣብዚ ወሎዶ እንታይ እዩ ትብል?

 ኣማኑኤል፤ ሃጓፍ ኣሎ፣ እቲ ሃጓፍ ድማ ኪወርስን ከውርስን ዚኽእል ኣይተራኸቡን። እቲ ምኽንያት ርዱእ እዩ። መግዛእቲ እዩ። መግዛእቲ ነቲ ሰንሰለት ስለዝበተኸ ገጠምቲ ይትረፍ ኪገጥሙ ዚህደንሉ ዝነበሩ ግዜ’ዩ፣ ግጥሚ ሓያል ዓውዲ ስለዝዀነ ድማ እዩ እቲ ምህዳን። ብርቱዕ ናዕቢ ናይ ምልዕዓል ተኽእሎኡ ልዑል ስለዝዀነ ከጥፍእዎም ግድን ነይሩ። ኣፋዊ ስነ-ጽሑፍና ብቐሊሉ ኣይረኸብናዮን። 

ሕቶ ፤ ስለምንታይ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ? ካብ ከተማ ፍንትት ኢልካ ናብ ገጠራት ምስ ትኸይድ ኬድና ክንእርንቦም እንኽእል ኣለዉ እንድዮም ?
ኣማኑኤል፤ ከመይ መሲሉካ፣ መጽናዕቲ ገይሩ ከቝርቦም ዚኽእል እንተሃልዩ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዀነ።
 
ሕቶ ፤ ካብ ሰብ ከምጽኣልኩም ምጽባይ ባዕልኻትኩ ም ኬድኩም ማሰታት ድዮም ካልኦት ዘይትእክቡ?
ኣማኑኤል፤ ኣይተገብረን እምበር ጽቡቕ ኣለኻ።

 

ሕቶ ፤ ኣብ ግጥምታትካ ሓንቲ ህይወት ተዓዚብካ ዲኻ ትሓልፋ ወይስ ብዙሕ ነገራት ተዓዚብካ ኢኻ ናብ ሓደ ( ሓንቲ ) ህይወት ትጸምቆ?
ኣማኑኤል፤ ክልቲኡ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ህይወት ተዓዚብካ ናብኣ ብምትኳር ጥራሕ ትገልጻ። እንሓንሳብ ድማ ብርክት ዝበለ ህይወታት ትዕዘብ’ሞ ሽዑ ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተፈጸመ ጌርካ ተቕርቦ።

 

ሕቶ ፤ ሓንቲ ህይወት ተዓዚብካ እንክትጽሕፎ ዲያሪ ኰይኑ ካብ ስነ ፍንትት ኣየብለካን’ዶ ?
ኣማኑኤል፤ ፍጹም።

 

ሕቶ ፤ ስነ - ጥበብ እኮ ንኹሉ ዚምልከት እምበር ናብ ሓንቲ ህይወት ምትኳር ኣይኰነን።
ኣማኑኤል፤ ኣበሃህላይ እኮ ንሓንቲ ህይወት ኣተኲርካ ትሰርሕ እንድሕር ሃሊኻ ጣዕሚ ብዙሓት ህይወታት ትውስኸላ፣ መታን ሓፈሻዊ ክትከውን።

 

ሕቶ ፤ ኣብ ሓደ ኣለና፣ ትዕዝብቲ ክትደጋግም ጸኒሕካ’ሞ ናብ ግጥሚ ዝገብሮ ኣበርክቶኸ?
ኣማኑኤል፤ መሊኡ። ግጥሚ ኣብ ትዕዝብቲ’ዩ ዘተኵር።

 

ሕቶ ፤ ትዕዝብቲ ቀንዲ መበገሲታት ሳይንስ’ያ ‘ሞ ግጥሚ ሳይንስ እዩ ክትብል ትደፍር’ዶ ?
ኣማኑኤል፤ ግጥሚ ሳይንስ ኣይኰነን፣ ትዕዝብቲ እኮ ሳይንስ ኣይኮነን፣ ትዕዝብቲ መበገሲ ክልቲኦም ዓውድታት’ዩ። ሳይንስ ትዕዝብቲ ኣኻኺቡ ተመኵሮታት ኣነጻጺሩ ናብ ሓደ መደምደምታ ወይ ፎርሙላ ይበጽሕ። ግጥሚ ግን ትዕዝብትታት ኣኻኺቡ ፎርሙላ ዘይኰነ ዘውጽእ መጽናዕቲ ኣካይዱ ጽባቐ ንምሃብ’ዩ። ግጥሚ ፎርሙላ የብሉን። ግጥሚ ካብ ትዕዝብታት ፎርሙላ ኣየውጽእን’ዩ። ስለዚ ግጥሚ ሳይንስ ኣይኰነን መቓድውቲ ‘ውን ኣይኰኑን።

 

ሕቶ፣ ንኣገጣጥማኻ ዝጸለዉኻ ገጣሚ ?
ኣማኑኤል፤ ንዋርንጁ እትብሃል ናጀርያዊት ገጣሚት’ያ ብውሑድ መጠን ቃላት እናደጋገምካ ዕምቈት ናይ ግድን ይመጽእ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ቃላት ምስትምቓርን ናይ ቃላት ጸወታ (game) ጣዕሚ ይህበካ፣ እያ ትብል። ነዚኣ ክስዕባ እደሊ።

 

ሕቶ ፤ ግምገማ ራይሞክ ንግጥሚ ወትሩ ከዕዘምዝሙሉ ይርአ። ብሸነኽካ እቲ ጸገም እንታይ ትብሎ ?
ኣማኑኤል፤ ገና እቲ ጸገም ኪቕጽል’ዩ። ዘቐጽሎ ዘሎ ድማ ሓደ ግጥሚ ምስ ልብወለድ ኣጣሚርካ ኪግምገም የብሉን። እቶም ገምገምቲ ንባዕሎም ከምዝሰማዕኩዎ ምግጣም ዚፍትኑ ክንሶም ግጥሚ ኣቕሪቦም ገምገምቲ ዝዀኑ ኰይኖም ጸገም ኪፍጠር ግድን’ዩ። ስለ ሕቶ እየ ዝምልስ ዘለኹ እምበር ጸገማት ግምገማ ካብ ልበይ ኣውጺኤ፣ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ‘እንተሰለጠኒ’ ኢለ ካብ ዝኣተኹሉ ግዜ ኣትሒዘ ጽቡቕ ስራሕ ምስራሕ እንተዘይኰይኑ ምውድዳር ብዙሕ ኣይጸቕጠሉን’የ።

 

ሕቶ ፤ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ባህላዊ ጉዳያት ዚተወደበ ውድድር ስነ - ጽሑፍ « ዘርኢ ኲናት » [እዛ ግጥሚ ዳሕራይ «ኣበሳ ኲናት» ተባሂላ ዝተዘርግሐት’ያ] ትብል ግጥምኻ ቀ ዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ ኣርባዕተ ሽሕ ረኺባ ሓጐስ ከምዝተሰምዓካ እንተፈለጥኩ’ኳ፣ ስምዒታትካ ባዕልኻ ክትብሎም ?
ኣማኑኤል፤ መተባብዒ ኰይኑኒ ክብል ኣይክእልን፣ ዕላማ ሒዘ ነዚ ዓውዲ ክቕጽሎ ተቢዐ ስለዝቐጸልኩ (ዝነቐልኩ)። መመይቲ ቀዳመይቲ ስለዝበሉዋ ቀዳመይቲ ማለት ኣይኰነትን። ግጥሚ፣ ሰብ ከከም ዘስተማቕሮ እዩ። ስለዚ በታ ተዓዊታ ትብሃል ግጥመይ ብዙሕ ኣይደናገርን እየ። ኣነ ግን ነታ ተዓዊታ ዘላ ግጥሚ ‘ዘርኢ ኲናት’ ካብ ካልኦት ግጥምታተይ ናይ ምዕዋት ዕድል ስለዝረኸበት እንቋዕ ሓጐሰኪ እብላ።

 

ሕቶ ፤ ኪብሃል ዘለዎ’ሞ ዚተረፈ እንተሎ ?
ኣማኑኤል፤ ንኹላትና ሰሰናዩ።

 

ወዲ ዃዳ

___________________________________

ምንጪ፤ ጋዜጣ ሰቲት፣ ሳልሳይ ዓመት ቁጽሪ 4፣ ዓርቢ 17 መስከረም 1999

(ቅዳሕ ጋዜጣ ካብ ለይብረሪ ኮንግረስ ዝተረኽበ።)

« GO BACK