መሊቝና ጽሕፈት

No comments

እንተ እቲ ቐደም

ኣይትጽሓፉ ምስ በሉና

ተንፊስኩም ኢሎም

ምስ ኣሰሩና ምስ ኣበሳበሱና

ምስ ሓረዱና ምስ ቀተሉና

ኣሳሕዩና እቲ ኢድና

ብረት ዓጢቕና

ካላሽን ክብረትና

 

እንተሎሚ

ኣይትጽሓፉ ኣይትሕተቱ

ቃላት ኣይተነቕንቑ

ኣይትመራመሩ

ዋእ! ኣይትመራመሩ ዝበለ

መጽሓፍ-ቅዱስ ዶኾነ፧

 

ንመለስ ናብቲ ዘምጽኣና

ጋዜጣታት ረኺብና

እስኪ ንረዳዳእ ተሓጒስና

እንደገና ኣሰሓዩና እቲ ኢድና

ሓሳብ መጺኡ ኣስሒቱና

ተዛሪብና ያኢ ክንፈትሕ ሽግራትና

ጽሒፍና መሲሉና

ንምንታይ ደኣ ተጋዲልና፧

 

ኣቱም ዓዲ ረኣዩልና

ኣጻብዕና ተቐጥቂጥና

ተማሃሮና ኣቃጺልና

ኣዴታትና ካብ ኣእወያ

ወለድና ካብ ኣሕፈርና

ኣንስትና ካብ ኣድፈርና

ተጋደልትና ካብ ወፈና

እታ ምሕንጣጥ ክትከልኡና፧

ኣራራት ኢዮብ

(ኣብ መስከረም 2001 ተጻሒፉ ካብ መዛግብቲ ደራሲት ዝተኣከበ።)

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email