እንተ እቲ ቐደም
ኣይትጽሓፉ ምስ በሉና
ተንፊስኩም ኢሎም
ምስ ኣሰሩና ምስ ኣበሳበሱና
ምስ ሓረዱና ምስ ቀተሉና
ኣሳሕዩና እቲ ኢድና
ብረት ዓጢቕና
ካላሽን ክብረትና
እንተሎሚ
ኣይትጽሓፉ ኣይትሕተቱ
ቃላት ኣይተነቕንቑ
ኣይትመራመሩ
ዋእ! ኣይትመራመሩ ዝበለ
መጽሓፍ-ቅዱስ ዶኾነ፧
ንመለስ ናብቲ ዘምጽኣና
ጋዜጣታት ረኺብና
እስኪ ንረዳዳእ ተሓጒስና
እንደገና ኣሰሓዩና እቲ ኢድና
ሓሳብ መጺኡ ኣስሒቱና
ተዛሪብና ያኢ ክንፈትሕ ሽግራትና
ጽሒፍና መሲሉና
ንምንታይ ደኣ ተጋዲልና፧
ኣቱም ዓዲ ረኣዩልና
ኣጻብዕና ተቐጥቂጥና
ተማሃሮና ኣቃጺልና
ኣዴታትና ካብ ኣእወያ
ወለድና ካብ ኣሕፈርና
ኣንስትና ካብ ኣድፈርና
ተጋደልትና ካብ ወፈና
እታ ምሕንጣጥ ክትከልኡና፧
ኣራራት ኢዮብ
(ኣብ መስከረም 2001 ተጻሒፉ ካብ መዛግብቲ ደራሲት ዝተኣከበ።)