ሲሃም ንሃይለ ጓሉ፡
መባልዕቱ መባህልቱ፣
ንቢዘን ናይ ሕልና ሓፍቱ።
ዕድሜኪ የሕኲርዎ ‘ለዉ
ንላዕሊ እና ደርደሩ፣
ኣነ ግን እፈልጦ እንድ’የ
ትፈትውዮ ዜማ ምዝማሩ።
“ዂስቶ ሓወይ ደቒስካ
ደውላ ቓጭላ!”
ሓቕኺ እንድኺ —
ግን እቲ ዝደቀሰ`ኮ የለን፡
እቲ ዝቓጭል`ውን ከምኡ፡
ንስኺ`ውን ብዓቢኡ።
ሲሃም ንኹሉ ጓሉ–
ሓርቢቱና መታሕዞ
ንቚዘማ ብኸመይ ኔዝሞ?
ሃይለ ቢዘን
04–01–2019