ሲሃም ዓሊ ዓብዱ

No comments

ሲሃም ንሃይለ ጓሉ፡
መባልዕቱ መባህልቱ፣

ንቢዘን ናይ ሕልና ሓፍቱ።

ዕድሜኪ የሕኲርዎ ‘ለዉ

ንላዕሊ እና ደርደሩ፣

ኣነ ግን እፈልጦ እንድ’የ

ትፈትውዮ ዜማ ምዝማሩ።

“ዂስቶ ሓወይ ደቒስካ

ደውላ ቓጭላ!”

ሓቕኺ እንድኺ —

ግን እቲ ዝደቀሰ`ኮ የለን፡

እቲ ዝቓጭል`ውን ከምኡ፡

ንስኺ`ውን ብዓቢኡ።

ሲሃም ንኹሉ ጓሉ–

ሓርቢቱና መታሕዞ

ንቚዘማ ብኸመይ ኔዝሞ?

ሃይለ ቢዘን

04–01–2019

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email